መንበሪ ፍቓድ ኣይረኸብካን፡ እሞ ኸ ሕጂ?

እንሓንሳብ፡ ሂወት ከም’ቲ ዝሓሰብካዮ ኣይኮነን ዝኸይድ። መጻኢኻ ኣብ’ዚ ክትምስርት ከም ዕላማ ሒዝካ ኢኻ ናብ ኔዘርላንድ መጺእካ። ይኹን እምበር፡ መንበሪ ፍቓድ ክትረክብ ኣይከኣልካን። ምኽንያቱ፡ ዘቕረብካዮ ናይ ዑቕባ ሕቶ ስለዝተነጽገ። ማሕበር ተሓጋገዝቲ ስደተኛታት (ፌ ቬ ኤን) ምሳኻ ብሓባር ብምዃን፡ ነቶም ሕጂ ዘለዉኻ ተኽእሎታት ክፍትሽ እዩ። ንሕና ብተወሳኺ፡ ናይ መጻኢ ውጥንካ ኣብ ምሕንጻጽ ክንተሓባበረካ ንኽእል ኢና። ናብ ዝመጻኻሉ ሃገር ክትምለስ እንተሓሲብካ ድማ፡ ምስ’ተን ኣብ ምምላስካ ክተሓባበራኻ ዝኽእላ ትካላት ከነራኽበካ ንኽእል።
placeholder

3. ካብ ኔዘርላንድ ወጺእካ ኣብ ካልእ ሃገር ምምንባር

መንግስቲ ሃገረ ኔዘርላንድ ምስ ዝነጽገካ፡ ኣብ ካልእ ሃገር ክትነብር ተኽእሎ ኣሎ ድዩ የለን ክትሓስበሉ ትኽእል።  ከም’ዚ ዓይትነት ተኽእሎ ኣሎ ድዩ የለን፡ ኣብ ናትካ ጭቡጥ ውልቃዊ ኩንታት ዝተሞርከሰ እዩ። ፌ ቬ ኤን፡ ንትኽእሎታትካ ዝምልከት ዝያዳ ሓበሬታ፡ ንጠበቓኻ ወይ ድማ ነቲ ናይ’ታ ሃገር ኤምባሲ ክሓተልካ ይኽእል።

መጽለሊ ቦታ

ኣግልግሎት ኢሜግሬሽንን ዜግነትን (ኢ ኤን ዴ) ንናይ ዑቕባ ሕቶኻ እንተነጺግዎ፡ መንግስቲ ሃገረ ኔዘርላንድ፡ ናብ’ቲ ዝመጻኻሉ ሃገር ክትምለስ ይሓተካ። መንግስቲ፡ ንስኻ ካብ’ቲ መዓስከር ስደተኛታት ክትወጽእ ይሓተካ። ዋላ’ኳ ኩሉ ግዜ ከምኡ ኣይኹን ድኣምበር፡ ግዳም ሓደር ክትከውን’ውን ትኽእል። ቆልዑ ዘለዎም ስድራቤታት ንኣብነት፡ ኩሉ ሳዕ መጽለሊ ቦታ ይወሃቦም እዩ። ብዛዕባ ንዓኻ ዝምልከት ናይ መጽለሊ ኩነታት ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ፡ ንናይ ፌ ቬ ኤን ተሓጋዚኻ ተወከስ።

ኣብ ሃገረ ኔዘርላንድ መንበሪ ፍቓድ እንተዘይረኺብካ፡ ሰለስተ ተኽእሎታት ኣለካ፦

1. ዘይሕጋዊ ኮንካ ምንባር

ዘይሕጋዊ ኮንካ ምንባር ከቢድ እዩ። ሕጋዊ ስራሕ ክትረክብ ኣይትኽእልን ከምኡ’ውን ትነብረሉ ገዛ ምርካብ ኣጸጋሚ እዩ። ግዳም ሓደር ምስ ትኸውን፡ ኣብ ከም ናይ “ለኸር ደስ ሀይልስ” ዝኣመሰላ ገበርቲ ሰናይ ትካላት፡ ናይ ለይቲ ትሓድረሉ መጽለሊ ክትረክብ ትኽእል። ግን ሓሓሊፉ፡ ንሰን’ውን ቦታ ዘይክህልወን ይኽእል እዩ። ብፖሊስ ክትተሓዝ፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክትኣቱ ከምኡ’ውን ኣብ ቤት ማሕቡስ ክትእሰር ቀጻሊ ሓደጋ የንጸላልወካ። ካብ’ዚ ሃገር’ውን ከምትስጎግ ክግበር ይከኣል። ብዙሓት ዘይሕጋውያን ስደተኛታት፡ ግዳይ ናይ ምዝመዛ ይኹኖ እዮም። ሰባት ኣብ ናይ ገበን ንጥፈታት ንኽትሳተፍ ከገዱድኻ ይኽእሉን ብሰንኩ ድማ ዝህልዉኻ ጸገማት እንዳሓደሩ ይዛይዱ። ከም ሰነድ ኣልቦ ስደተኛ ግን፡ ኣብ ኔዘርላንድ ህጹጽ ናይ ሕክምና ሓገዝ ክትረክብ መሰል ኣለካ።

ኣብ’ዚ ናይ መርበብ ገጽ፡ ብዛዕባ ኣብ ኔዘርላንድ መንበሪ ፍቓድ ዘይብሎም ሰባት ዝምልከት ዝያዳ ሓበሬታ ክትረክብ ትኽእል፦ 

www.basicrights.nl

2. ናብ ዝመጻኻሉ ሃገር ምምላስ

መንግስቲ ሃገረ ኔዘርላንድ መንበሪ ፍቓድ እንተዘይሂቡካ፡ ብዛዕባ መጻኢኻ ምሕሳብ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ቀሊል ከምዘይኮነ ይርደኣና እዩ። ምስ ማሕበር ተሓጋገዝቲ ስደተኛታት (ፌ ቬ ኤን) ብምርኻብ፡ ብዛዕባ ምምላስ ዘሎ ተኽእሎታት ክትዘራረበሉ ትኽእል። ወይ ድማ ምስ ካልእ ኣብ ምምላስካ ዝተሓባበረካ ትካል ክትዘራረብ ትኽእል። ክትምለስ ትደሊ ዲኻ ኣይትደልን ባዕልኻ ትውስን። ፌ ቬ ኤን፡ ገለ ሃገራት ከም ንኽትምለሰለን ውሑሳት ዘይኮና ሃገራት ጌሩ ይርእየን። ናብ’ዘን ሃገራት ንኽትምለስ ድማ ሓገዝ ኣየበርክትን። ይኹን እምበር፡ ምስ’ተን ናብ’ተን ሃገራት ንኽትምለስ ዝተሓባበራኻ ትክላት ግን ከነራኽበካ ንኽእል።

ብናትካ ተበግሶ ናብ ዝመጻኻሉ ሃገር ምስ ትምለስ፡ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል። እቲ ትረኽቦ ሓገዝ፡ ንብረት፡ ኣገልግሎት ወይ ድማ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ክኸውን ይኽእል። ንኣብነት፡ ናትካ ድኳን ንምኽፋት ዘኽእል መበገሲ ገንዘብ እንተላይ/ወይ ኣብ ናይ ትካል ውጥን ኣብ ምጽሓፍ ዝወሃብ ሓገዝ። ሓገዝ ትረክብ ዲኻ ኣይትረክብን ከምኡ’ውን እንታይ ዓይነት ሓገዝ ኢኻ ክትረክብ ትኽእል፡ ኣብ’ቲ ኩነታት ናይ’ቲ ሰብን ትምለሰሉ ሃገርን ዝተሞርከሰ እዩ። ሃገርካ፡ ኣብ’ዘን ኣብ ታሕቲ ተጠቒሰን ዘለዋ ሃገራት (ገና) የላን? ንዝያዳ ሓበሬታ፡ ምስ ናይ ፌ ቬ ኤን ተሓጋጋዚኻ ተራኸብ።

ተገዲድካ ምምላስ

ናይ ዑቕባ ሕቶኻ ምስ ዝንጸግ፡ ኣገልግሎት ምምላስን ምፍናውን (ዴ ቴ ኤን ፌ) ብዛዕባ ናብ ሃገርካ ምምላስ ኣመልኪቱ ምሳኻ ርክብ ይገብር። እዚ ማለት ግን፡ ቀጥታ ካብ ኔዘርላንድ ክትወጽእ ኢኻ ማለት ኣይኮነን። ጠበቓኻ ነቲ ናይ ኤ ኤን ዴ ውሳኔ ተቓዊሙ ይግባይ ዝበለ እንተኾይኑ፡ መብዝሕትኡ ግዜ ነቲ ውሳኔ ናይ ዳኛ ኣብ ኔዘርላንድ ኮንካ ክትጽበዮ ይፍቀደካ እዩ። ንዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ናይ መንበሪ ኩነታት ፡ ንናይ ፌ ቬ ኤን ተሓጋጋዚኻ ተወከስ። ኣገዳሲ ክትፍለጦ ዘለካ ሓበሬታ፦ ብናይ ባዕልኻ ተበግሶ ክትምለስ ምስ ዘይትደሊ እሞ ተገዲድካ ከም ትምለስ እንተተጊሩ፡ ካብ መንግስቲ ኔዘርላንድ ሓገዝ ኣይትረክብን ኢኻ።