Return to ዒራቕ

መንግስቲ ሃገረ ኔዘርላንድ፡ ንስኻ ኣብ ሓጺር ግዜ ነዛ ሃገር ለቒቕካ ክትወጽእ ወሲኑ ኣሎ። ናብ ዝመጻኻሉ ሃገር ክትምለስ ትሓስብ እንተኾንካ፡ ማሕበር ተሓጋገዝቲ ስደተኛታት (ፌ ቬ ኤን) ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ምሳኻ ኮይኑ ክሓስብ ይኽእል። ኣብ’ቶም ክህልዉኻ ዝኽእሉ ተኽእሎታት መጽናዕቲ ብምግባር፡ ብዛዕባ መጻኢኻ ጽቡቕ ውሳኔ ክትወስድ ትኽእል።
placeholder

ነቶም ብናቶም ተበግሶ ናብ ሃገሮም ዝምለሱ ሰባት፡ መንግስቲ ኔዘርላንድ ዘበርክቶ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ኣሎ። ነዚ ገንዘብ፡ ዝተፈላለያ ትካላት ክሓታልካ ይኽእላ። ገለ ክፋል ናይ’ዚ ገንዘብ፡ ብመልክዕ ንብረት ወይ ኣገልግሎት (ብዓይነት) ይሽፈን። ንኣብነት፡ ኣብ ገለ ትካላት፡ ዝኾነ ሞያ ንምምሃር ሓጺር ስልጠና ክትረክብ ትኽእል። ካልኦት ትካላት፡ ኣብ ምጽሓፍ ናይ መጻኢ ውጥን ሓገዝ የበርክታ። ገሊኤን ድማ፡ ናትካ ትካል ንምምስራት ዘኽእል ኣቕሑ የበርክታልካ። ፋይናስያዊ መጠን ናይ’ቲ ትረኽቦ ንብረት ኮነ ኣገልግሎት ኣብ ኩለን ትካላት ማዕረ እዩ። ኣብ ሓንቲ ትካል ጥራሕ ኢኻ ክትምዝገብ ትኽእል። ነዚ፡ ብመንግስቲ ምቁጽጻር ይገብረሉ።

ብዘይካ’ዚ ዝተጠቕሰ ሓገዝ፡ ካብ “ርያን-ሬኽሊንግ” (REAN-regeling) (Return and Emigration Assistance from the Netherlands) ዝወሃብ ሓገዝ’ውን ኣሎ። ነዚ ሓገዝ ብትእዛዝ መንግስቲ ዘማእክል ትካል ድማ ኣህጉራዊ ውድብ ፍልሰት (ኣይ ኦ ኤም) እዩ። ካብ REAN፡ ምኽሪ፡ ናይ ነፋሪት ትኬት፡ ሓገዝ ኣብ ምርካብ ናይ መጓዓዝያ ሰነድ ከምኡ’ውን ኣብ ፈለማ ክትጥቀመሉ ትኽእል ናይ ጁባ ገንዘብ ክወሃበካ ይኽእል። ብተወሳኺ፡ ኣይ ኦ ኤም፡ ኣብ ትምለሰሉ እዋን ሓገዝ የበርክት። ፌ ቬ ኤን ኮነ ካልኦት ኣብ ምምላስ ዝተሓጋገዛኻ ትካላት፡ ነዚ ናይ ኣይ ኦ ኤም ሓገዝ ንምርካብ ክተሓባበራኻ ይኽእላ። ይኹን እምበር፡ ከተማልኦም ዘለካ  ረቛሒታት ግን ኣለዉ።

እቶም ዝወሃቡ ሓግዛት ኣየኖት እዮም?

ናብ ዒራቕ ኣብ ትምለሰሉ እዋን ትረኽቦም ሓገዛት እዞም ዝስዕቡ እዮም፦

  • 1,800 ኤውሮ ንልዕሊ-ዕድመ። ካብ’ዚ ካብ 300 ኤውሮ ዘርይበዝሕ ጥረ ገንዘብ ይኸውን።
  • 2,800 ኤውሮ ንነፍሲ-ወከፍ ምሳኻ ዝጓዓዝ ትሕቲ ዕድመ ህጻን። ካብ’ዚ ካብ 300 ኤውሮ ዘይበዝሕ ጥረ ገንዘብ ይኸውን።

ኣብነት: ሓንት 2 ኣባጽሕን 1 ትሕቲ-ዕድመን ዘለዋ ስድራቤት፡  €1800 + €1800 + €2800 = € 6400 ትወስድ። ካብ’ዚ ገንዘብ፡ ካብ 900 ኤውሮ ዘይበዝሕ ብጥረ ገንዘብ ይወሃብ።

ብተወሳኺ ካብ REAN ንኣብነት፡ ናይ ነፋሪት ትኬትን ተወሳኺ ጥረ ገንዘብን ክትወስድ ትኽእል (200 ኤውሮ ንበጽሒ፡ 40 ኤውሮ ድማ ንትሕቲ ዕደም ህጻን)።

ኣብ ምምላስ ዝተሓጋገዛ ትካላት ኣየኖት እየን?

  • ማሕበር ተሓጋገዝቲ ስደተኛታት (ፌ ቬ ኤን) ብመንገዲ Met Opgeheven Hoofd 2 ኣቢሉ፡ ናብ ዝመጻኻሉ ሃገር ናብ ምምላስ ዘለዉ ተኽእሎታት ይዘራረበሎም። ናብ ዝመጻኻሉ ሃገር ክትምለስ ትሓስብ እንተኾንካ፡ ማሕበር ተሓጋገዝቲ ስደተኛታት (ፌ ቬ ኤን) ኣብ’ቲ ትገብሮ ምቅርራብ ክተሓባበረካ ይኽእል። እንተደሊኻ፡ ምስ’ተን ኣብ ሃገርካ ዘለዋ መሻርኽቲ ትካላት ከነራኽበካ ንኽእል። እዘን ትካላት፡ ኣብ’ታ ሃገር ምስ ዝተፈላለዩ ባእታታ ርክባት ዘለወን ኮይኑ ኣብ ፖለቲካውን ቁጠባውን ኩነታት እታ ሃገር ኣፍልጦ ኣለወን። ፈለማ፡ ምሳኻ ንኣብነት ብዛዕባ ተኽእሎታት ስራሕ፡ ናይ ባዕልኻ ትካል ምምሳርት፡ ዳግማይ ምስ ስድራቤትካ ምርኻብ፡ ጉዳይ ትምህርቲ፡ ናይ ጥዕና ክንክንን ናይ መንበሪ ኣባይቲ ጉዳያትን ክንዘራረብ ንኽእል። ምስ ተመለስካ፡ እቲ ኣብ ሃገርካ ዝርከብ መሻርኽቲ ትካል ይቕበለካ። እቲ ትካል ድማ፡ ኣብ ሃገርካ ዳግማይ ንኽትጣየስን ነቲ ዘለካ ገንዘብ ኣብ ምውፍራን ይተሓባበረካ።
  • ኣይ ኦ ኤም ኣህጉራዊ ውድብ ፍልሰት፡ ምስ ተመለስካ ሂወትካ ኣብ ሃገርካ ዳግማይ ኣብ ምጥያስ ይተሓባበረካ። ምስ ተመለስካ ንኣብነት፡ ብመንገዲ ኣይ ኦ ኤም ኣቢልካ፡ ኣብ መንበሪ ገዛ፡ ትምህርቲ ወይ ትካል ከተውፍር ትኽእል። ነዚ ዝኸውን ጥረ ገንዘብ ኣይወሃበካን እዩ። ብመንጽሩ፡ ብምትሕብባር ናይ’ቲ ኣብ ሃገርካ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ኣይ ኦ ኤም፡ ናይ ዓይነት ሓገዝ ይግበረልካ። 
  • WereldTools 2018 – 2021 (ዊርልድ ቱልስ 2018-2021) ዝበሃል ትካል ንተሳተፍቲ ኣብ ምምስራት ናይ ባዕሎም ትካል ይተሓባበር። እቶም ኣብ ፕሮጀክት ናይ WereldTools ዝሳተፉ ሰባት፡ መታን ምስ ተመልሱ ብዝተኻእለ መጠን ስራሕ ክጅምሩ፡ ኣቕሑ፡ ናይ ስራሕ ናውቲን ማሽናትን ዘለዎ ሳጹን ይወሃቦም። እቲ ኣብ ሃገርካ ዝርከብ ናይ ኣይ ኦ ኤም ቤት ጽሕፈት ድማ፡ ኣብ ክንዳኻ ኮይኑ ነቲ ንብረት ካብ ጉምሩኽ ይቕበለልካ።
  • Solid Road (ሶሊድ ሮድ)፡ ዝኾነ ሞያ ንምምሃር ዝሕግዙ ዝተፈላለዩ ሓጸርቲ ስልጠናታት ይህብ። ነቲ ኣብ’ቲ ስልጠና ትቐስሞ ፍልጠት ተጠቒምካ፡ ኣብ ሃገርካ ናይ ባዕልኻ ትካል ክትምስርት ትኽእል። ብዘይካ እቲ ትመሃሮ ሞያ፡ ብተወሳኺ ናይ ቢዝነስ ስልጠናታት ትወስድን ምስ ወዳእካ ድማ ሰርቲፊኬት ይወሃበካን። ብተወሳኺ፡ ኣብ ዳግመ ምጥያስ ዝሕግዘካ ናውቲ ንምግዛእ ተባሂሉ ዝወሃብ ገንዘብ’ውን ኣሎ።
  • Stichting ROS (ማሕበር ሮስ) ካብ ዘለዎ ፕሮጀክትታት ሓደ፡ እቲ ብ Vice Versa 5.0 ዝፍለጥ ፕሮጀክት እዩ። ብናይ ባዕልኻ ተበግሶ ናብ ሃገርካ ኣብ ትምለሰሉ እዋን፡ ብመንገዲ እዚ ፕሮጀክት ኣቢልካ፡ ኣብ ውልቃዊ ኩነታትካ ዘተኮረ ሓገዝ ትረክብ። ምስ ካብ ሃገርካ ዝመጸ ናይ ምምላስ ኣስለጣኒ ብምዃን ድማ፡ ነቲ ናይ ምምላስ ኩነታትካ ትቀራረበሉ። ብሓባር ብምዃን፡ ናይ ምምላስ ውጥን ተውጽእን ነቲ ንምምላስ ተባሂሉ ዝወሃበካ ገንዘብ ኣበየናይ መዓላ ተውዕሎን ትዕዘብ። ምስ ተመልሰካ መታን ክትሰርሕ፡ ትምህርትን ስልጠናታትን ትከታተል። ምስ ተመለስካ ድማ፡ ካብ ኣብ ሃገርካ ዝርከብ መሻርኽቲ ትካል ሓገዝ ትረክብ።
  • Goedwerk Foundation (ኹድቨርክ ፋውንዴሽን)፡ ኣብ ምምላስካ ኣብ ኩነታትካ ዘተኮረ መፍትሒ ይቕርብ። ምኽንያቱ፡ ዝተፈላለየ ሰብ ዝተፈላለየ ኩነታት ስለዘለዎ። ኣብ ኔዘርላንድ ብዝግበር ጽቡቕ ምቅርራብን ኣብ ሃገርካ ምስ ተመልስካ ዝወሃብ ሓገዝን ኣቢሉ፡ እዚ “ኹድቨርክ” ዝበሃል ትካል፡ ምምላስካ ምቹእ ክኸውን ይሰርሕ። ሰራሕተኛታት ናይ’ዚ ትካል፡ ምሳኻ ብሓባር ብምዃን፡ ናይ መጻኢ ውጥን የውጽኡን እቲ ንመጣየሲ ዝወሃበካ ገንዘብ ድማ ኣበየናይ መዓላ ከተውዕሎ ከምትኽእል ይርእዩን።

ኣብ ሃገርካ ዝርከባ መሻርኽቲ ትካላት ኣየኖት እየን?

እተን ኣብ ሃገርካ ዝርከባ መሻርኽቲ ትካላት፡ ብዛዕባ ኩነታት ሃገርካ ሓበሬታ ክህባኻን ከምኡ’ውን ምስ ተመለስካ፡ ሓገዝን ምእላይን ከበርክታልካ ይኽእላ።

  • “ኢ ቴ ቴ ሴ” (ETTC)። ፌ ቬ ኤን፡ ኣብ ዒራቕ ምስ ትካል “ኢ ቴ ቴ ሴ” (ማእከል ቴክሎኖጅን ስልጠናን ኤውሮጳ) ብሓባር ይሰርሕ። ኢ ቴ ቴ ሴ፡ ንዝተመልሱ ዒራቓውያን (ውልቀ-ሰባትን ስድራቤታትን) ኣብ ምህናጽ ሓድሽ ሂወት ይተሓባበር። ንሳቶም፡ ንዝምለሱ ሰባት ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ይቕበሉ፡ (ግዝያዊ) ናይ መንበሪ ቦታ ኣብ ምንዳይ ይተሓባበሩ ከምኡ’ውን ንእሽቶ ናይ ባዕልኻ ትካል ኣብ ምምስራት ወይ ድማ ስራሕ ኣብ ምርካብ ሓገዝ የበርክቱ። ብተወሳኺ፡ ኣብ ምርካብ ጽቡቕ ትምህርትን ምስ ክጠቕሙኻ ዝኽእሉ ሰባት ኣብ ምፍላጥን ይተሓባባሩ። ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ድማ፡ ንዓማዊል ናብ ናይ ጥዕና ትካላት ከመሓላልፉ ይኽእሉ። ክሳብ ሓደ ዓመት ድሕሪ ምምላስካ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ፌ ቬ ኤን፡ ምስ መሻርኽቲ ትካል እንዳተራኸበ ብዛዕባ ኩነታትካ የጣይቕ።  
  • ኣህጉራዊ ውድብ ፍልስት (ኣይ ኦ ኤም) ክሕግዘካ እንተመሪጽካ ድማ፡ ሰራሕተኛታት ናይ’ቲ ኣብ ዒራቕ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ኣይ ኦ ኤም፡ ገንዘብካ ኣብ ምምርቓሕ ይተሓባበሩኻ።  ነዚ ገንዘብ ንኣብነት፡ ኣብ ክራይ ገዛ፡ ትምህርቲ፡ ስልጠና፡ ምዕዳግ ትካልን ካልእን ከተውዕሎ ትኽእል። 
  • ብተወሳኺ፡ ካልኦት ትካላት ምስ ኣብ ሃገርካ ዘሎ መሻርኽቲ ኮይነን ይሰርሓ። እዘን ትካላት ኣየኖት እየን ከምኡ’ውን እቲ መሻርኽቲ ንዓኻ እንታይ ክገብረልካ ይኽእል ከከም ኩነታቱ ዝተፈላለየ እዩ።