ናብ ሱዳን ምምላስ

ናብ ዝመጻኻሉ ሃገር ክትምልስ ትሓስብ ኣለኻ ዲኻ? ብዛዕባ መጻኢኻ ጽቡቕ ውሳኔ መታን ክትወስድ፡ ማሕበር ተሓጋገዝቲ ስደተኛታት (ፌ ቬ ኤን) ኣብ’ዚ ክተሓባበረካ ይኽእል እዩ።
placeholder

ኣብ ኔዘርላንድ ዝርከባ ዝተፈላለያ ትካላት ኣብ ምምላስ የተሓጋገዛ። ማሕበር ተሓጋጋዝቲ ስደተኛታት (ፌ ቬ ኤን)፡ ናብ ሱዳን ናይ ምምላስ ኩነታት ከምዘይውሑስ ይርእዮ። በዚ መሰረት፡ ንሕና ኣብ ሶርያ ዝነጥፋን ንዓኻ ሓገዝ ከበርክታ ዝኽእላን ትካላት መሻርኽቲ የብልናን። ብመንገዲ ካልኦት ትካላት ንኽትምለስ ትኽእሎ ክህሉ ይኽእል እዩ። ፌ ቬ ኤን፡ ምስ’ዘን ትካላት ከራኽበካ ይኽእል። ንኹነታትካ ዝምችእ ኣየናይ ትካል ምዃኑ ድማ፡ ባዕልኻ ትመርጽ።

ነቶም ብናቶም ተበግሶ ናብ ሃገሮም ዝምለሱ ሰባት፡ መንግስቲ ኔዘርላንድ ዘበርክቶ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ኣሎ። ነዚ ገንዘብ፡ ዝተፈላለያ ትካላት ክሓታልካ ይኽእላ። ገለ ክፋል ናይ’ዚ ገንዘብ፡ ብመልክዕ ንብረት ወይ ኣገልግሎት (ብዓይነት) ይሽፈን። ንኣብነት፡ ኣብ ገለ ትካላት፡ ዝኾነ ሞያ ንምምሃር ሓጺር ስልጠና ክትረክብ ትኽእል። ካልኦት ትካላት፡ ኣብ ምጽሓፍ ናይ መጻኢ ውጥን ሓገዝ የበርክታ። ገሊኤን ድማ፡ ናትካ ትካል ንምምስራት ዘኽእል ኣቕሑ የበርክታልካ። ፋይናስያዊ መጠን ናይ’ቲ ትረኽቦ ንብረት ኮነ ኣገልግሎት ኣብ ኩለን ትካላት ማዕረ እዩ። ኣብ ሓንቲ ትካል ጥራሕ ኢኻ ክትምዝገብ ትኽእል። ነዚ፡ ብመንግስቲ ምቁጽጻር ይገብረሉ።

ብዘይካ’ዚ ሓገዝ፡ ብመገዲ ድንጋገ-REAN Return and Emigration Assistance from the Netherlands) ዝወሃብ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ኣሎ። ካብ REAN፡ ምኽሪ፡ ናይ ነፋሪት ትኬትን ከምኡ’ውን ሓገዝ ኣብ ምርካብ ናይ መጓዓዝያ ሰነዳትን ክትረክብ ትኽእል። ኣህጉራዊ ወድብ ፍልሰት (ኣይ ኦ ኤም) (IOM) (International Organization for Migration))፡ ነቲ ናይ REAN መደብ ናይ ምፍጻም ሓላፍነት ኣለዎ። ኣብ ምምላስ ዝተሓጋገዙ ካልኦት ውድባት’ውን፡ ተወሳኺ ሓገዛት ክሓቱልካ ይኽእሉ። ተጠቃሚ ናይ’ዚ ድንጋገ ንምዃን፡ ገለ ረቛሒታት ከተማልእ ይግባእ። እዚ ካሕሳ ይግብኣካ እንተኾይኑ ንምፍላጥ፡ ንኣላይኻ ተወከስ።

እቶም ዝወሃቡ ሓግዛት ኣየኖት እዮም?

እቲ ንምምላስ ዝወሃብ ካሕሳ እዚ ዝስዕብ እዩ፦

  • 1,800 ኤውሮ ንልዕሊ-ዕድመ። ካብ’ዚ ካብ 300 ኤውሮ ዘርይበዝሕ ጥረ ገንዘብ ይኸውን።
  • 2,800 ኤውሮ ንነፍሲ-ወከፍ ምሳኻ ዝጓዓዝ ትሕቲ ዕድመ ህጻን። ካብ’ዚ ካብ 300 ኤውሮ ዘይበዝሕ ጥረ ገንዘብ ይኸውን።

ኣብነት: ሓንት 2 ኣባጽሕን 1 ትሕቲ-ዕድመን ዘለዋ ስድራቤት፡  1800 + 1800 + 2800 = € 6400 ትወስድ። ካብ’ዚ ገንዘብ፡ ካብ 900 ኤውሮ ዘይበዝሕ ብጥረ ገንዘብ ይወሃብ።

ብተወሳኺ ካብ REAN ንኣብነት፡ ናይ ነፋሪት ትኬትን ተወሳኺ ጥረ ገንዘብን ክትወስድ ትኽእል (200 ኤውሮ ንበጽሒ፡ 40 ኤውሮ ድማ ንትሕቲ ዕደም ህጻን)።

ኣብ ሃገርካ ዝርከባ መሻርኽቲ ትካላት ኣየኖት እየን?

  • ማሕበር ተሓጋገዝቲ ስደተኛታት (ፌ ቬ ኤን) ብመንገዲ Met Opgeheven Hoofd 2 ኣቢሉ፡ ናብ ዝመጻኻሉ ሃገር ናብ ምምላስ ዘለዉ ተኽእሎታት ይዘራረበሎም። ባዕልና ናብ ሱዳን ኣብ ምምላስ ኣይንተሓጋገዝን ኢና። ይኹን እምበር፡ ምስ ካልኦት ዝተሓጋገዛኻ ትካላት ግን ከነራኽበካ ንኽእል።
  • ማሕበር ተሓጋገዝቲ ስደተኛታት (ፌ ቬ ኤን) ብመንገዲ Met Opgeheven Hoofd 2 ኣቢሉ፡ ናብ ዝመጻኻሉ ሃገር ናብ ምምላስ ዘለዉ ተኽእሎታት ይዘራረበሎም። ናብ ዝመጻኻሉ ሃገር ክትምለስ ትሓስብ እንተኾንካ፡ ማሕበር ተሓጋገዝቲ ስደተኛታት (ፌ ቬ ኤን) ኣብ’ቲ ትገብሮ ምቅርራብ ክተሓባበረካ ይኽእል። እንተደሊኻ፡ ምስ’ተን ኣብ ሃገርካ ዘለዋ መሻርኽቲ ትካላት ከነራኽበካ ንኽእል። እዘን ትካላት፡ ኣብ’ታ ሃገር ምስ ዝተፈላለዩ ባእታታ ርክባት ዘለወን ኮይኑ ኣብ ፖለቲካውን ቁጠባውን ኩነታት እታ ሃገር ኣፍልጦ ኣለወን። ፈለማ፡ ምሳኻ ንኣብነት ብዛዕባ ተኽእሎታት ስራሕ፡ ናይ ባዕልኻ ትካል ምምሳርት፡ ዳግማይ ምስ ስድራቤትካ ምርኻብ፡ ጉዳይ ትምህርቲ፡ ናይ ጥዕና ክንክንን ናይ መንበሪ ኣባይቲ ጉዳያትን ክንዘራረብ ንኽእል። ምስ ተመለስካ፡ እቲ ኣብ ሃገርካ ዝርከብ መሻርኽቲ ትካል ይቕበለካ። እቲ ትካል ድማ፡ ኣብ ሃገርካ ዳግማይ ንኽትጣየስን ነቲ ዘለካ ገንዘብ ኣብ ምውፍራን ይተሓባበረካ።
  • ኣይ ኦ ኤም ኣህጉራዊ ውድብ ፍልሰት፡ ምስ ተመለስካ ሂወትካ ኣብ ሃገርካ ዳግማይ ኣብ ምጥያስ ይተሓባበረካ። ምስ ተመለስካ ንኣብነት፡ ብመንገዲ ኣይ ኦ ኤም ኣቢልካ፡ ኣብ መንበሪ ገዛ፡ ትምህርቲ ወይ ትካል ከተውፍር ትኽእል። ነዚ ዝኸውን ጥረ ገንዘብ ኣይወሃበካን እዩ። ብመንጽሩ፡ ብምትሕብባር ናይ’ቲ ኣብ ሃገርካ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ኣይ ኦ ኤም፡ ናይ ዓይነት ሓገዝ ይግበረልካ።
  • Stichting WereldWijd ዝተባህለ ማሕበር፡ ንተሳተፍቲ ናይ ባዕሎም ትካል ኣብ ምምስራት ይተሓባበር። እቶም ኣብ መደብ project WereldTools ዝሳተፉ ሰባት፡ ናብ ሃገሮም ምስ ተለምሱ ቀልጢፎም መታን ናብ ስራሕ ክኣትዉ፡ ኣቕሑ፡ መሳርሕን ማሽናት ዝሓዘ ሳጹን ይወሃቡ። ትካል WereldWijd ከምኡ’ውን ኣይ ኦ ኤም (IOM)፡ ንስኻ መታን ኣብ ሃገርካ ብጽቡቕ ኣገባብ ክትጅምር፡ ብሓባር ይሰርሑ።
  • Solid Road ዝተባህለ ውድብ፡ ኣብ ኔዘርላንድ ውልቃዊ ስልጠናታትን ምእላይን ብምሃብ ኣብ ምምላስ ይተሓባበርን ምሳኻ ብሓባር ብምዃን ድማ ነቲ ናይ ምጥያስ ባጀትካ ኣብ ምንታይ መዓላ ከተውዕሎ ከምትኽእል ውጥን ይገብር። Solid Road ብተወሳኺ፡ ኣብ’ታ ትምለሰላ መዓልቲ፡ ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ስኺፕሆልን ኣብ ሃገርካን፡ ምስ ንዓኻ ሂወትካ ዳግማይ ንምህናጽ ዝተሓባበራ ውድባት ብምዃን ሓገዝ የበርክት። ምስ ተመለስካ ሂወትካ ንምምራሕ ዝሕግዙኻ ሞያታት ንምምሃር ድማ፡ ኣብ ሃገረ ኔዘርላንድ ናይ ሞያ ስልጠናታት ክትወስድ ትኽእል። Solid Road ቋንቋታት ዓረብ፡ ኩርድሽ፡ ኢንግሊዘኛ፡ ፈረንሳይ፡ ኔዘርላንድስን ጀርመንን ዝዛረቡ ሰራሕተኛታት ኣለውዎ።
  • Stichting ROS (ማሕበር ሮስ) ካብ ዘለዎ ፕሮጀክትታት ሓደ፡ እቲ ብ Vice Versa 5.0 ዝፍለጥ ፕሮጀክት እዩ። ብናይ ባዕልኻ ተበግሶ ናብ ሃገርካ ኣብ ትምለሰሉ እዋን፡ ብመንገዲ እዚ ፕሮጀክት ኣቢልካ፡ ኣብ ውልቃዊ ኩነታትካ ዘተኮረ ሓገዝ ትረክብ። ምስ ካብ ሃገርካ ዝመጸ ናይ ምምላስ ኣስለጣኒ ብምዃን ድማ፡ ነቲ ናይ ምምላስ ኩነታትካ ትቀራረበሉ። ብሓባር ብምዃን፡ ናይ ምምላስ ውጥን ተውጽእን ነቲ ንምምላስ ተባሂሉ ዝወሃበካ ገንዘብ ኣበየናይ መዓላ ተውዕሎን ትዕዘብ። ምስ ተመልሰካ መታን ክትሰርሕ፡ ትምህርትን ስልጠናታትን ትከታተል። ምስ ተመለስካ ድማ፡ ካብ ኣብ ሃገርካ ዝርከብ መሻርኽቲ ትካል ሓገዝ ትረክብ።
  • Goedwerk Foundation ዝተባህለ ውድብ፡ ኣብ ምምላስ፡ ኣብ ውልቃዊ ኩነታትካ ዘተኮረ መፍትሕታት ይቕርብ። እቶም ምኩራት ክኢላታት፡ ተሓጋገዝትን ኣስለጠንትን ናይ Goedwerk Foundation፡ ብቋንቋታት ኢንግሊዘኛ፡ ስፓንሽ፡ ዓረብ፡ ኣምሓርኛ፡ ትግርኛ፡ ፋርሲ፡ ፓሽቱን ዳሪን ክተሓጋገዙኻ ይኽእሉ። ምሳኻ ብሓባር ብምዃን ድማ፡ እቲ ናትካ ናይ ምምላስ ጒዳይ ብጥንቃቐ ይዳልውሉ። ንኣብነት፡ ኣብ ምምጻእ ናይ መጓዓዝያ ሰነዳት፡ ናብ ኤምባሲ ኣብ ትገብሮ ምብጻሕ፡ ናይ ጥዕና ሓገዝ፡ ምስ ስድራኻ ርክብ ምግባር፡ ነቲ ናይ መጣየሲ ገንዘብ መደብ ምሕንጻጽ፡ ከምኡ’ውን ናብ ሃገርካ ኣብ ትገብሮ ጎዕዞ። Goedwerk Foundation (ብመንገዲ ማሕበር ተሓጋገዝቲ ስደተኛታት) ሓገዝ ናይ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከባ መሻርኽቲ ውድባትን ናይ ተመለስቲ ናይ ባዕሎም መርበባትን ይጥቀም።

ኣብ ሃገርካ ዝርከባ መሻርኽቲ ትካላት ኣየኖት እየን?

ማሕበር ተሓጋገዝቲ ስደተኛታት (ፌ ቬ ኤን) ምስ ኣብ ዝተፈላላያ ሃገራት ዝርከባ ንዕኻ ብዛዕባ ኩነታት ዝመጻኻሉ ሃገር ሓበሬታ ዝህባን ኣብ ትምለሰሉ እዋን ድማ ሓገዝን ምእላይን ዘበርክታን መሻርኽቲ ትካላት  ብሓባር ይሰርሕ። ማሕበር ተሓጋጋዝቲ ስደተኛታት (ፌ ቬ ኤን)፡ ናብ ሱዳን ናይ ምምላስ ኩነታት ከምዘይውሑስ ይርእዮ። በዚ መሰረት፡ ንሕና ኣብ ሱዳን ዝነጥፋን ንዓኻ ሓገዝ ከበርክታ ዝኽእላን ትካላት መሻርኽቲ የብልናን።

ኣይ ኦ ኤም ክሕግዘካ እነተመሪጽካ፡ ሰራሕተኛታት ናይ’ቲ ኣብ ሱዳን ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ኣይ ኦ ኤም፡ ነቲ ዘለካ ገንዘብ ኣበየናይ መዓላ ከተውዕሎ ከምትኽእል ይተሓባበሩኻ። ነዚ ገንዘብ ንኣብነት፡ ኣብ ክራይ ገዛ፡ ትምህርቲ፡ ስልጠና፡ ምዕዳግ ትካልን ካልእን ከተውዕሎ ትኽእል።

ንዓኻ ኣብ ምምላስ ዝተሓባበራ ኣብ ሱዳን መሻርኽቲ ዘለወን ካልኦት ትካላት ግን ኣለዋ። ንዛያዳ ሓበሬታ፡ ምዘን ትካላት ተራኸብ ወይ ድማ ንናይ ፌ ቬ ኤን ተሓጋጋዚኻ ተወከስ።