Return to ሶርያ

ናብ ዝመጻኻሉ ሃገር ክትምልስ ትሓስብ ኣለኻ ዲኻ? ብዛዕባ መጻኢኻ ጽቡቕ ውሳኔ መታን ክትወስድ፡ ማሕበር ተሓጋገዝቲ ስደተኛታት (ፌ ቬ ኤን) ኣብ’ዚ ክተሓባበረካ ይኽእል እዩ።
placeholder

ኣብ ኔዘርላንድ ዝርከባ ዝተፈላለያ ትካላት ኣብ ምምላስ የተሓጋገዛ። ማሕበር ተሓጋጋዝቲ ስደተኛታት (ፌ ቬ ኤን)፡ ናብ ሶርያ ናይ ምምላስ ኩነታት ከምዘይውሑስ ይርእዮ። በዚ መሰረት፡ ንሕና ኣብ ሶርያ ዝነጥፋን ንዓኻ ሓገዝ ከበርክታ ዝኽእላን ትካላት መሻርኽቲ የብልናን። ብመንገዲ ካልኦት ትካላት ንኽትምለስ ትኽእሎ ክህሉ ይኽእል እዩ። ፌ ቬ ኤን፡ ምስ’ዘን ትካላት ከራኽበካ ይኽእል። ንኹነታትካ ዝምችእ ኣየናይ ትካል ምዃኑ ድማ፡ ባዕልኻ ትመርጽ።

ነቶም ብናቶም ተበግሶ ናብ ሃገሮም ዝምለሱ ሰባት፡ መንግስቲ ኔዘርላንድ ዘበርክቶ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ኣሎ። ነዚ ገንዘብ፡ ዝተፈላለያ ትካላት ክሓታልካ ይኽእላ። ገለ ክፋል ናይ’ዚ ገንዘብ፡ ብመልክዕ ንብረት ወይ ኣገልግሎት (ብዓይነት) ይሽፈን። ንኣብነት፡ ኣብ ገለ ትካላት፡ ዝኾነ ሞያ ንምምሃር ሓጺር ስልጠና ክትረክብ ትኽእል። ካልኦት ትካላት፡ ኣብ ምጽሓፍ ናይ መጻኢ ውጥን ሓገዝ የበርክታ። ገሊኤን ድማ፡ ናትካ ትካል ንምምስራት ዘኽእል ኣቕሑ የበርክታልካ። ፋይናስያዊ መጠን ናይ’ቲ ትረኽቦ ንብረት ኮነ ኣገልግሎት ኣብ ኩለን ትካላት ማዕረ እዩ። ኣብ ሓንቲ ትካል ጥራሕ ኢኻ ክትምዝገብ ትኽእል። ነዚ፡ ብመንግስቲ ምቁጽጻር ይገብረሉ።

እቶም ዝወሃቡ ሓግዛት ኣየኖት እዮም?

ናብ ሶርያ ኣብ ትምለሰሉ እዋን ትረኽቦም ሓገዛት እዞም ዝስዕቡ እዮም፦

  • 1,800 ኤውሮ ንልዕሊ-ዕድመ። ካብ’ዚ ካብ 300 ኤውሮ ዘርይበዝሕ ጥረ ገንዘብ ይኸውን።
  • 2,800 ኤውሮ ንነፍሲ-ወከፍ ምሳኻ ዝጓዓዝ ትሕቲ ዕድመ ህጻን። ካብ’ዚ ካብ 300 ኤውሮ ዘይበዝሕ ጥረ ገንዘብ ይኸውን።

ኣብነት: ሓንት 2 ኣባጽሕን 1 ትሕቲ-ዕድመን ዘለዋ ስድራቤት፡  €1800 + €1800 + €2800 = €6400 ትወስድ። ካብ’ዚ ገንዘብ፡ ካብ 900 ኤውሮ ዘይበዝሕ ብጥረ ገንዘብ ይወሃብ።

ኣብ ምምላስ ዝተሓጋገዛ ትካላት ኣየኖት እየን?

  • ማሕበር ተሓጋገዝቲ ስደተኛታት (ፌ ቬ ኤን) ብመንገዲ Met Opgeheven Hoofd 2 ኣቢሉ፡ ናብ ዝመጻኻሉ ሃገር ናብ ምምላስ ዘለዉ ተኽእሎታት ይዘራረበሎም። ባዕልና ናብ ሶርያ ኣብ ምምላስ ኣይንተሓጋገዝን ኢና። ይኹን እምበር፡ ምስ ካልኦት ዝተሓጋገዛኻ ትካላት ግን ከነራኽበካ ንኽእል። 
  • Solid Road (ሶሊድ ሮድ)፡ ዝኾነ ሞያ ንምምሃር ዝሕግዙ ዝተፈላለዩ ሓጸርቲ ስልጠናታት ይህብ። ነቲ ኣብ’ቲ ስልጠና ትቐስሞ ፍልጠት ተጠቒምካ፡ ኣብ ሃገርካ ናይ ባዕልኻ ትካል ክትምስርት ትኽእል። ብዘይካ እቲ ትመሃሮ ሞያ፡ ብተወሳኺ ናይ ቢዝነስ ስልጠናታት ትወስድን ምስ ወዳእካ ድማ ሰርቲፊኬት ይወሃበካን። ብተወሳኺ፡ ኣብ ዳግመ ምጥያስ ዝሕግዘካ ናውቲ ንምግዛእ ተባሂሉ ዝወሃብ ገንዘብ’ውን ኣሎ።
  • Stichting ROS (ማሕበር ሮስ) ካብ ዘለዎ ፕሮጀክትታት ሓደ፡ እቲ ብ Vice Versa 5.0 ዝፍለጥ ፕሮጀክት እዩ። ብናይ ባዕልኻ ተበግሶ ናብ ሃገርካ ኣብ ትምለሰሉ እዋን፡ ብመንገዲ እዚ ፕሮጀክት ኣቢልካ፡ ኣብ ውልቃዊ ኩነታትካ ዘተኮረ ሓገዝ ትረክብ። ምስ ካብ ሃገርካ ዝመጸ ናይ ምምላስ ኣስለጣኒ ብምዃን ድማ፡ ነቲ ናይ ምምላስ ኩነታትካ ትቀራረበሉ። ብሓባር ብምዃን፡ ናይ ምምላስ ውጥን ተውጽእን ነቲ ንምምላስ ተባሂሉ ዝወሃበካ ገንዘብ ኣበየናይ መዓላ ተውዕሎን ትዕዘብ። ምስ ተመልሰካ መታን ክትሰርሕ፡ ትምህርትን ስልጠናታትን ትከታተል።
  • Goedwerk Foundation (ኹድቨርክ ፋውንዴሽን)፡ ኣብ ምምላስካ ኣብ ኩነታትካ ዘተኮረ መፍትሒ ይቕርብ። ምኽንያቱ፡ ዝተፈላለየ ሰብ ዝተፈላለየ ኩነታት ስለዘለዎ። ኣብ ኔዘርላንድ ብዝግበር ጽቡቕ ምቅርራብን ኣብ ሃገርካ ምስ ተመልስካ ዝወሃብ ሓገዝን ኣቢሉ፡ እዚ “ኹድቨርክ” ዝበሃል ትካል፡ ምምላስካ ምቹእ ክኸውን ይሰርሕ። ሰራሕተኛታት ናይ’ዚ ትካል፡ ምሳኻ ብሓባር ብምዃን፡ ናይ መጻኢ ውጥን የውጽኡን እቲ ንመጣየሲ ዝወሃበካ ገንዘብ ድማ ኣበየናይ መዓላ ከተውዕሎ ከምትኽእል ይርእዩን።

ኣብ ሃገርካ ዝርከባ መሻርኽቲ ትካላት ኣየኖት እየን?

ማሕበር ተሓጋገዝቲ ስደተኛታት (ፌ ቬ ኤን) ምስ ኣብ ዝተፈላላያ ሃገራት ዝርከባ ንዕኻ ብዛዕባ ኩነታት ዝመጻኻሉ ሃገር ሓበሬታ ዝህባን ኣብ ትምለሰሉ እዋን ድማ ሓገዝን ምእላይን ዘበርክታን መሻርኽቲ ትካላት  ብሓባር ይሰርሕ። ማሕበር ተሓጋጋዝቲ ስደተኛታት (ፌ ቬ ኤን)፡ ናብ ሶርያ ናይ ምምላስ ኩነታት ከምዘይውሑስ ይርእዮ። በዚ መሰረት፡ ማሕበር ተሓጋጋዝቲ ስደተኛታት (ፌ ቬ ኤን)፡ ኣብ ሶርያ ዝነጥፋን ንዓኻ ሓገዝ ከበርክታ ዝኽእላን ትካላት መሻርኽቲ የብሉን። 

ካልኦት ትካላት ምናልባት ኣብ ሊባኖስ ወይ ኣብ ሶርያ ዝነጥፋ ንዓኻ ኣብ ምምላስ ሓገዝ ከበርክታልካ ዝኽእላ ትካላት ክህልዋ ይኽእላ። ንዛያዳ ሓበሬታ፡ ምስ እዘን ትካላት ተራኸብ ወይ ድማ ንናይ ፌ ቬ ኤን ተሓጋጋዚኻ ተወከስ።