Return to ኤርትራ

ማሕበር ተሓጋገዝቲ ስደተኛታት (VluchtelingenWerk)፡ ናብ ኤርትራ ናይ ምምላስ ዘሎ ተኽእሎ ውሑስ ኣይኮነን ዝብል መርገጺ ኣለዎ። ድሕሪ ናብ ሃገርካ ምምላስካ፡ ንስኻ ውሕሱን ዘላቕን መጻኢ ክህልወካ ነዓና ኣገዳሲ እዩ።  በዚ መሰረት ድማ፡ ናብ ኤርትራ ንምምላስ፡ ነዚ ሓገዝ ኣይንህብን ኢና። ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ እቲ ናብ ኤርትራ ክትምለስ ዘወሰነካ ምኽንያት ወይ ጸገም እንታይ ምዃኑ ምሳኻ ክንዘራረብ ኢና። ናብ ኤርትራ ኣብ ምምላስ ክሕግዘካ ዝደሊ ትካል ደሊኻ? ምስ ከም’ዚ ዓይነት ትካል ከነራኽበካ ንኽእል ኢና።
placeholder

ነቶም ብናቶም ተበግሶ ናብ ሃገሮም ዝምለሱ ሰባት፡ መንግስቲ ኔዘርላንድ ዘበርክቶ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ኣሎ። ነዚ ገንዘብ፡ ዝተፈላለያ ትካላት ክሓታልካ ይኽእላ። ገለ ክፋል ናይ’ዚ ገንዘብ፡ ብመልክዕ ንብረት ወይ ኣገልግሎት (ብዓይነት) ይሽፈን። ንኣብነት፡ ኣብ ገለ ትካላት፡ ዝኾነ ሞያ ንምምሃር ሓጺር ስልጠና ክትረክብ ትኽእል። ካልኦት ትካላት፡ ኣብ ምጽሓፍ ናይ መጻኢ ውጥን ሓገዝ የበርክታ። ገሊኤን ድማ፡ ናትካ ትካል ንምምስራት ዘኽእል ኣቕሑ የበርክታልካ። ፋይናስያዊ መጠን ናይ’ቲ ትረኽቦ ንብረት ኮነ ኣገልግሎት ኣብ ኩለን ትካላት ማዕረ እዩ። ኣብ ሓንቲ ትካል ጥራሕ ኢኻ ክትምዝገብ ትኽእል። ነዚ፡ ብመንግስቲ ምቁጽጻር ይገብረሉ።

እቶም ዝወሃቡ ሓግዛት ኣየኖት እዮም?

ናብ ኤርትራ ኣብ ትምለሰሉ እዋን ትረኽቦም ሓገዛት እዞም ዝስዕቡ እዮም፦

  • 1,800 ኤውሮ ንልዕሊ-ዕድመ። ካብ’ዚ ካብ 300 ኤውሮ ዘርይበዝሕ ጥረ ገንዘብ ይኸውን።
  • 2,800 ኤውሮ ንነፍሲ-ወከፍ ምሳኻ ዝጓዓዝ ትሕቲ ዕድመ ህጻን። ካብ’ዚ ካብ 300 ኤውሮ ዘይበዝሕ ጥረ ገንዘብ ይኸውን።

ኣብነት: ሓንት 2 ኣባጽሕን 1 ትሕቲ-ዕድመን ዘለዋ ስድራቤት፡  €1800 + €1800 + €2800 = €6400 ትወስድ። ካብ’ዚ ገንዘብ፡ ካብ 900 ኤውሮ ዘይበዝሕ ብጥረ ገንዘብ ይወሃብ።

ኣብ ምምላስ ዝተሓጋገዛ ትካላት ኣየኖት እየን?

  • ማሕበር ተሓጋገዝቲ ስደተኛታት (VluchtelingenWerk Nederland) ባዕሉ ናብ ኤርትራ ኣብ ምምላስ ሓገዝ ኣይገብረን እዩ።  ይኹን እምበር፡ ብዛዕባ እቲ ናብ ኤርትራ ክትምለስ ዘወሰነካ ምኽንያት ወይ ጸገም እንታይ ምዃኑ ምሳኻ ክንዘራረብ ኢና። ምስ ካልኦት ትካላት ድማ ከነራኽበካ ንኽእል ኢና።
Logo Solid Road
  • Solid Road (ሶሊድ ሮድ)፡ ዝኾነ ሞያ ንምምሃር ዝሕግዙ ዝተፈላለዩ ሓጸርቲ ስልጠናታት ይህብ። ነቲ ኣብ’ቲ ስልጠና ትቐስሞ ፍልጠት ተጠቒምካ፡ ኣብ ሃገርካ ናይ ባዕልኻ ትካል ክትምስርት ትኽእል። ብዘይካ እቲ ትመሃሮ ሞያ፡ ብተወሳኺ ናይ ቢዝነስ ስልጠናታት ትወስድን ምስ ወዳእካ ድማ ሰርቲፊኬት ይወሃበካን። ብተወሳኺ፡ ኣብ ዳግመ ምጥያስ ዝሕግዘካ ናውቲ ንምግዛእ ተባሂሉ ዝወሃብ ገንዘብ’ውን ኣሎ።
Logo ROS
  • Stichting ROS (ማሕበር ሮስ) ካብ ዘለዎ ፕሮጀክትታት ሓደ፡ እቲ ብ Vice Versa ዝፍለጥ ፕሮጀክት እዩ። ብናይ ባዕልኻ ተበግሶ ናብ ሃገርካ ኣብ ትምለሰሉ እዋን፡ ብመንገዲ እዚ ፕሮጀክት ኣቢልካ፡ ኣብ ውልቃዊ ኩነታትካ ዘተኮረ ሓገዝ ትረክብ። ምስ ካብ ሃገርካ ዝመጸ ናይ ምምላስ ኣስለጣኒ ብምዃን ድማ፡ ነቲ ናይ ምምላስ ኩነታትካ ትቀራረበሉ። ብሓባር ብምዃን፡ ናይ ምምላስ ውጥን ተውጽእን ነቲ ንምምላስ ተባሂሉ ዝወሃበካ ገንዘብ ኣበየናይ መዓላ ተውዕሎን ትዕዘብ። ምስ ተመልሰካ መታን ክትሰርሕ፡ ትምህርትን ስልጠናታትን ትከታተል።
Logo Goedwerk Foundation
  • Goedwerk Foundation (ኹድቨርክ ፋውንዴሽን)፡ ኣብ ምምላስካ ኣብ ኩነታትካ ዘተኮረ መፍትሒ ይቕርብ። ምኽንያቱ፡ ዝተፈላለየ ሰብ ዝተፈላለየ ኩነታት ስለዘለዎ። ኣብ ኔዘርላንድ ብዝግበር ጽቡቕ ምቅርራብን ኣብ ሃገርካ ምስ ተመልስካ ዝወሃብ ሓገዝን ኣቢሉ፡ እዚ “ኹድቨርክ” ዝበሃል ትካል፡ ምምላስካ ምቹእ ክኸውን ይሰርሕ። ሰራሕተኛታት ናይ’ዚ ትካል፡ ምሳኻ ብሓባር ብምዃን፡ ናይ መጻኢ ውጥን የውጽኡን እቲ ንመጣየሲ ዝወሃበካ ገንዘብ ድማ ኣበየናይ መዓላ ከተውዕሎ ከምትኽእል ይርእዩን።

ኣብ ሃገርካ ዝርከባ መሻርኽቲ ትካላት ኣየኖት እየን?

ማሕበር ተሓጋገዝቲ ስደተኛታት (ፌ ቬ ኤን) ምስ ኣብ ዝተፈላላያ ሃገራት ዝርከባ ንዕኻ ብዛዕባ ኩነታት ዝመጻኻሉ ሃገር ሓበሬታ ዝህባን ኣብ ትምለሰሉ እዋን ድማ ሓገዝን ምእላይን ዘበርክታን መሻርኽቲ ትካላት  ብሓባር ይሰርሕ። ማሕበር ተሓጋጋዝቲ ስደተኛታት (ፌ ቬ ኤን)፡ ናብ ኤርትራ ናይ ምምላስ ኩነታት ከምዘይውሑስ ይርእዮ። በዚ መሰረት፡ ንሕና ኣብ ኤርትራ ዝነጥፋን ንዓኻ ሓገዝ ከበርክታ ዝኽእላን ትካላት መሻርኽቲ የብልናን። 

ንዓኻ ኣብ ምምላስ ዝተሓባበራ ኣብ ኤርትራ መሻርኽቲ ዘለወን ካልኦት ትካላት ግን ኣለዋ። ንዛያዳ ሓበሬታ፡ ምዘን ትካላት ተራኸብ ወይ ድማ ንናይ ፌ ቬ ኤን ተሓጋጋዚኻ ተወከስ።