ናብ’ዛ ኣብ ታሕቲ ተጠቒሳ ዘላ ሃገር ምምላስ ኢትዮጵያ

መንግስቲ ሃገረ ኔዘርላንድ፡ ንስኻ ኣብ ሓጺር ግዜ ነዛ ሃገር ለቒቕካ ክትወጽእ ወሲኑ ኣሎ። ናብ ዝመጻኻሉ ሃገር ክትምለስ ትሓስብ እንተኾንካ፡ ማሕበር ተሓጋገዝቲ ስደተኛታት (ፌ ቬ ኤን) ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ምሳኻ ኮይኑ ክሓስብ ይኽእል። ኣብ’ቶም ክህልዉኻ ዝኽእሉ ተኽእሎታት መጽናዕቲ ብምግባር፡ ብዛዕባ መጻኢኻ ጽቡቕ ውሳኔ ክትወስድ ትኽእል።
placeholder

ነቶም ብናቶም ተበግሶ ናብ ሃገሮም ዝምለሱ ሰባት፡ መንግስቲ ኔዘርላንድ ዘበርክቶ ናይ ገንዘብ ሓገዝ ኣሎ። ነዚ ገንዘብ፡ ዝተፈላለያ ትካላት ክሓታልካ ይኽእላ። ገለ ክፋል ናይ’ዚ ገንዘብ፡ ብመልክዕ ንብረት ወይ ኣገልግሎት (ብዓይነት) ይሽፈን። ንኣብነት፡ ኣብ ገለ ትካላት፡ ዝኾነ ሞያ ንምምሃር ሓጺር ስልጠና ክትረክብ ትኽእል። ካልኦት ትካላት፡ ኣብ ምጽሓፍ ናይ መጻኢ ውጥን ሓገዝ የበርክታ። ገሊኤን ድማ፡ ናትካ ትካል ንምምስራት ዘኽእል ኣቕሑ የበርክታልካ። ፋይናስያዊ መጠን ናይ’ቲ ትረኽቦ ንብረት ኮነ ኣገልግሎት ኣብ ኩለን ትካላት ማዕረ እዩ። ኣብ ሓንቲ ትካል ጥራሕ ኢኻ ክትምዝገብ ትኽእል። ነዚ፡ ብመንግስቲ ምቁጽጻር ይገብረሉ።

ብዘይካ’ዚ ዝተጠቕሰ ሓገዝ፡ ካብ “ርያን-ሬኽሊንግ” (REAN-regeling) (Return and Emigration Assistance from the Netherlands) ዝወሃብ ሓገዝ’ውን ኣሎ። ነዚ ሓገዝ ብትእዛዝ መንግስቲ ዘማእክል ትካል ድማ ኣህጉራዊ ውድብ ፍልሰት (ኣይ ኦ ኤም) እዩ። ካብ REAN፡ ምኽሪ፡ ናይ ነፋሪት ትኬት፡ ሓገዝ ኣብ ምርካብ ናይ መጓዓዝያ ሰነድ ከምኡ’ውን ኣብ ፈለማ ክትጥቀመሉ ትኽእል ናይ ጁባ ገንዘብ ክወሃበካ ይኽእል። ብተወሳኺ፡ ኣይ ኦ ኤም፡ ኣብ ትምለሰሉ እዋን ሓገዝ የበርክት። ፌ ቬ ኤን ኮነ ካልኦት ኣብ ምምላስ ዝተሓጋገዛኻ ትካላት፡ ነዚ ናይ ኣይ ኦ ኤም ሓገዝ ንምርካብ ክተሓባበራኻ ይኽእላ። ይኹን እምበር፡ ከተማልኦም ዘለካ  ረቛሒታት ግን ኣለዉ።

እቶም ዝወሃቡ ሓግዛት ኣየኖት እዮም?

ናብ ኢትዮጵያ ኣብ ትምለሰሉ እዋን ትረኽቦም ሓገዛት እዞም ዝስዕቡ እዮም፦

  • 1,800 ኤውሮ ንልዕሊ-ዕድመ። ካብ’ዚ ካብ 300 ኤውሮ ዘርይበዝሕ ጥረ ገንዘብ ይኸውን።
  • 2,800 ኤውሮ ንነፍሲ-ወከፍ ምሳኻ ዝጓዓዝ ትሕቲ ዕድመ ህጻን። ካብ’ዚ ካብ 300 ኤውሮ ዘይበዝሕ ጥረ ገንዘብ ይኸውን።

ኣብነት: ሓንት 2 ኣባጽሕን 1 ትሕቲ-ዕድመን ዘለዋ ስድራቤት፡  €1800 + €1800 + €2800 = € 6400 ትወስድ። ካብ’ዚ ገንዘብ፡ ካብ 900 ኤውሮ ዘይበዝሕ ብጥረ ገንዘብ ይወሃብ።

ብተወሳኺ ካብ REAN ንኣብነት፡ ናይ ነፋሪት ትኬትን ተወሳኺ ጥረ ገንዘብን ክትወስድ ትኽእል (200 ኤውሮ ንበጽሒ፡ 40 ኤውሮ ድማ ንትሕቲ ዕደም ህጻን)።

ኣብ ምምላስ ዝተሓጋገዛ ትካላት ኣየኖት እየን?

  • ማሕበር ተሓጋገዝቲ ስደተኛታት (ፌ ቬ ኤን) ብመንገዲ Met Opgeheven Hoofd 2 ኣቢሉ፡ ናብ ዝመጻኻሉ ሃገር ናብ ምምላስ ዘለዉ ተኽእሎታት ይዘራረበሎም። ናብ ዝመጻኻሉ ሃገር ክትምለስ ትሓስብ እንተኾንካ፡ ማሕበር ተሓጋገዝቲ ስደተኛታት (ፌ ቬ ኤን) ኣብ’ቲ ትገብሮ ምቅርራብ ክተሓባበረካ ይኽእል። እንተደሊኻ፡ ምስ’ተን ኣብ ሃገርካ ዘለዋ መሻርኽቲ ትካላት ከነራኽበካ ንኽእል። እዘን ትካላት፡ ኣብ’ታ ሃገር ምስ ዝተፈላለዩ ባእታታ ርክባት ዘለወን ኮይኑ ኣብ ፖለቲካውን ቁጠባውን ኩነታት እታ ሃገር ኣፍልጦ ኣለወን። ፈለማ፡ ምሳኻ ንኣብነት ብዛዕባ ተኽእሎታት ስራሕ፡ ናይ ባዕልኻ ትካል ምምሳርት፡ ዳግማይ ምስ ስድራቤትካ ምርኻብ፡ ጉዳይ ትምህርቲ፡ ናይ ጥዕና ክንክንን ናይ መንበሪ ኣባይቲ ጉዳያትን ክንዘራረብ ንኽእል። ምስ ተመለስካ፡ እቲ ኣብ ሃገርካ ዝርከብ መሻርኽቲ ትካል ይቕበለካ። እቲ ትካል ድማ፡ ኣብ ሃገርካ ዳግማይ ንኽትጣየስን ነቲ ዘለካ ገንዘብ ኣብ ምውፍራን ይተሓባበረካ።
  • ኣይ ኦ ኤም ኣህጉራዊ ውድብ ፍልሰት፡ ምስ ተመለስካ ሂወትካ ኣብ ሃገርካ ዳግማይ ኣብ ምጥያስ ይተሓባበረካ። ምስ ተመለስካ ንኣብነት፡ ብመንገዲ ኣይ ኦ ኤም ኣቢልካ፡ ኣብ መንበሪ ገዛ፡ ትምህርቲ ወይ ትካል ከተውፍር ትኽእል። ነዚ ዝኸውን ጥረ ገንዘብ ኣይወሃበካን እዩ። ብመንጽሩ፡ ብምትሕብባር ናይ’ቲ ኣብ ሃገርካ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ኣይ ኦ ኤም፡ ናይ ዓይነት ሓገዝ ይግበረልካ። 
  • Stichting WereldWijd ዝተባህለ ማሕበር፡ ንተሳተፍቲ ናይ ባዕሎም ትካል ኣብ ምምስራት ይተሓባበር። እቶም ኣብ መደብ project WereldTools ዝሳተፉ ሰባት፡ ናብ ሃገሮም ምስ ተለምሱ ቀልጢፎም መታን ናብ ስራሕ ክኣትዉ፡ ኣቕሑ፡ መሳርሕን ማሽናት ዝሓዘ ሳጹን ይወሃቡ። ትካል WereldWijd ከምኡ’ውን ኣይ ኦ ኤም (IOM)፡ ንስኻ መታን ኣብ ሃገርካ ብጽቡቕ ኣገባብ ክትጅምር፡ ብሓባር ይሰርሑ።
  • Solid Road፡ ዝተባህለ ውድብ፡ ኣብ ኔዘርላንድ ውልቃዊ ስልጠናታትን ምእላይን ብምሃብ ኣብ ምምላስ ይተሓባበርን ምሳኻ ብሓባር ብምዃን ድማ ነቲ ናይ ምጥያስ ባጀትካ ኣብ ምንታይ መዓላ ከተውዕሎ ከምትኽእል ውጥን ይገብር። Solid Road ብተወሳኺ፡ ኣብ’ታ ትምለሰላ መዓልቲ፡ ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ስኺፕሆልን ኣብ ሃገርካን፡ ምስ ንዓኻ ሂወትካ ዳግማይ ንምህናጽ ዝተሓባበራ ውድባት ብምዃን ሓገዝ የበርክት። ምስ ተመለስካ ሂወትካ ንምምራሕ ዝሕግዙኻ ሞያታት ንምምሃር ድማ፡ ኣብ ሃገረ ኔዘርላንድ ናይ ሞያ ስልጠናታት ክትወስድ ትኽእል። Solid Road ቋንቋታት ዓረብ፡ ኩርድሽ፡ ኢንግሊዘኛ፡ ፈረንሳይ፡ ኔዘርላንድስን ጀርመንን ዝዛረቡ ሰራሕተኛታት ኣለውዎ።
  • Stichting ROS (ማሕበር ሮስ) ካብ ዘለዎ ፕሮጀክትታት ሓደ፡ እቲ ብ Vice Versa 5.0 ዝፍለጥ ፕሮጀክት እዩ። ብናይ ባዕልኻ ተበግሶ ናብ ሃገርካ ኣብ ትምለሰሉ እዋን፡ ብመንገዲ እዚ ፕሮጀክት ኣቢልካ፡ ኣብ ውልቃዊ ኩነታትካ ዘተኮረ ሓገዝ ትረክብ። ምስ ካብ ሃገርካ ዝመጸ ናይ ምምላስ ኣስለጣኒ ብምዃን ድማ፡ ነቲ ናይ ምምላስ ኩነታትካ ትቀራረበሉ። ብሓባር ብምዃን፡ ናይ ምምላስ ውጥን ተውጽእን ነቲ ንምምላስ ተባሂሉ ዝወሃበካ ገንዘብ ኣበየናይ መዓላ ተውዕሎን ትዕዘብ። ምስ ተመልሰካ መታን ክትሰርሕ፡ ትምህርትን ስልጠናታትን ትከታተል። ምስ ተመለስካ ድማ፡ ካብ ኣብ ሃገርካ ዝርከብ መሻርኽቲ ትካል ሓገዝ ትረክብ።
  • Goedwerk Foundation፡ ዝተባህለ ውድብ፡ ኣብ ምምላስ፡ ኣብ ውልቃዊ ኩነታትካ ዘተኮረ መፍትሕታት ይቕርብ። እቶም ምኩራት ክኢላታት፡ ተሓጋገዝትን ኣስለጠንትን ናይ Goedwerk Foundation፡ ብቋንቋታት ኢንግሊዘኛ፡ ስፓንሽ፡ ዓረብ፡ ኣምሓርኛ፡ ትግርኛ፡ ፋርሲ፡ ፓሽቱን ዳሪን ክተሓጋገዙኻ ይኽእሉ። ምሳኻ ብሓባር ብምዃን ድማ፡ እቲ ናትካ ናይ ምምላስ ጒዳይ ብጥንቃቐ ይዳልውሉ። ንኣብነት፡ ኣብ ምምጻእ ናይ መጓዓዝያ ሰነዳት፡ ናብ ኤምባሲ ትገብሮ ምብጻሕ፡ ናይ ጥዕና ሓገዝ፡ ምስ ስድራኻ ርክብ ምግባር፡ ነቲ ናይ መጣየሲ ገንዘብ መደብ ምሕንጻጽ፡ ከምኡ’ውን ናብ ሃገርካ ኣብ ትገብሮ ጎዕዞ። ብተወሳኺ፡ ኣብ’ቲ ዝግበር በረራ ሓገዝ ከበርክቱ ይኽእሉ። Goedwerk Foundation ኣብ ኢትዮጵያ፡ እዞም ዝስዕቡ ነገራት ክገብሩ ዝኽእሉ መሻርኽቲ ኣለውዎ፦ ድሕሪ ምምላስ ሓገዝ ምብርካት፡ ካብ ኤርፖርት ምቕባልን ግዚያዊ መጽንሒ ምድላውን።

ኣብ ሃገርካ ዝርከባ መሻርኽቲ ትካላት ኣየኖት እየን?

እተን ኣብ ሃገርካ ዝርከባ መሻርኽቲ ትካላት፡ ብዛዕባ ኩነታት ሃገርካ ሓበሬታ ክህባኻን ከምኡ’ውን ምስ ተመለስካ፡ ሓገዝን ምእላይን ከበርክታልካ ይኽእላ።

  • ማሕበር ተሓጋገዝቲ ስደተኛታት (VluchtelingenWerk) ኣብ  Ethiopië ምስ ማሕበር  Ethiopian Catholic Church Social and Development Commission (ECC SDCO) ብሓባር ይሰርሕ። እዛ ማሕበር፡ ንተመለስቲ (ውልቀ-ሰባት ኮነ ስድራቤታት)፡ ሓድሽ ሂወት ኣብ ምጅማር ትተሓባበር። እዛ ማሕበር፡ ንተመልስቲ ኣብ ኤርፖርት ክትቅበል፡ ኣብ (ግዝያዊ) መንበሪ ቦታ ምድላይ ትተሓባበር ከምኡ’ውን ኣብ ምምስራት ንእሽቶ ትካል ወይ ድማ ኣብ ምዳልይ ስራሕ ሓገዝ ተበርክት። ብተወሳኺ፡ እዛ ማሕበር፡ ኣብ ምርካብ ጽቡቕ ትምህርቲ፡ ኣገደስቲ ርክባትን መርበባትን ኣብ ምርካብ ሓገዝ ተበርክት ኮይና ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ ግዜ ድማ፡ ንዓማዊል ናብ ናይ ጥዕና ማእከል ተመሓላልፍ። ማሕበር ተሓጋገዝቲ ስደተኛታት (VluchtelingenWerk) ሓደ ዓመት ድሕሪ ምምላስ ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ከመይ ከምዘለኻ ንምፍላጥ ምስ መሻርኽቲ ውድባት ርክብ የካይድ።
  • ብ ኣይ ኦ ኤም (IOM) ክትሕገዝ ዝመረጽካ እንተኾንካ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ኣይ ኦ ኤም (IOM) ዘለዉ ሰራሕተኛታት፡ ነቲ ብዓይነት ዝተዋህበካ ባጀት ኣብ ግቡእ ማዕላ ኣብ ምውዓል ይተሓባበሩኻ። ነዚ ገንዘብ ንኣብነት፡ ኣብ ምኽፋል ክራይ ገዛ፡ ትምህርቲ፡ ስልጠና፡ ምግዛእ ትካልን ወዘተን ከተውዕሎ ትኽእል።
  • ብተወሳኺ፡ ካልኦት ትካላት ምስ ኣብ ሃገርካ ዘሎ መሻርኽቲ ኮይነን ይሰርሓ። እዘን ትካላት ኣየኖት እየን ከምኡ’ውን እቲ መሻርኽቲ ንዓኻ እንታይ ክገብረልካ ይኽእል ከከም ኩነታቱ ዝተፈላለየ እዩ።