ትምህርቲ

ትምህርቲ ኣብ ሆላንድ ኣገዳሲ እዩ። መብዛሕቱ ናይ ሞያ ስራሕ ክትሰርሕ እንተኾንካ ነዚ ሞያ ዘድሊ ዲፕሎማ ክህልወካ ኣልዎ። ኣብዚ ገጽ ናይ ሆላንድ ስርዓተ ትምህርቲ  ብሓጺር ክግለጽ እዩ። መንግስቲ ሆላንድ ዝኾነ ሰብ ዲፖሎማ (ከም መጀመሪ) ክህልዎ ይደሊ። ስራሕ እንተዘይብልካ እሞ ካብ መንግስቲ መንበሪ ገንዘባዊ ሓገዝ ትወስድ እንተኾንካ ስጋብ 27 ዓመት ትገብር ዲፕሎማ ክትሕዝ ክትግደድ ትኽእል ኢኻ። ንሓተትቲ ዑቝባ ውን ከይተረፈ ዝተፈላለዩ ናይ ትምህርቲ ተኽእሎታት ኣለዉ። ቆልዑ ምርጫ የብሎምን። ናይ መንበሪ-ፍቓድ ጉዳይ ብዘየገድስ ናብ ትምህርቲ ክኸዱ ኣለዎም።
placeholder

 

ኣብ ሆላንድ ቆልዑ ስጋብ 16 ዓመት ሳሕቲ ውን ስጋብ 18 ዓምት ናብ ትምህርቲ ናይ ምኻድ ግዴታ ኣለዎም። እንተሓሚሞም ጥራሕ ናብ ትምህርቲ ምኻድ ኣየድልዮምን። መርዓ፡ ቀብሪ ወይ ድማ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ምስዝህሉ ኣቐዲምካ ፍቓድ ክሕተት ይከኣል።

መቐጸልታ ትምህርቲ

ድሕሪ መባእታ ትምህርቲ ኣብ ሆላንድ ኣርባዕተ ደረጃታት ናይ መቐጸልታ ትምህርቲ ኣሎ።

  • ናይ ተግባር ትምህርቲ;
  • መዳለዊ ንማእከላይ ናይ ሞያ ትምህርቲ (vmbo): በዚ ዲፕሎማ እዚ ኣብ ማእከላይ ናይ ሞያ ትምህርቲ ክትኣቱ ትኽእል (mbo);
  • ላዕለዋይ መቐጸልታ ትምህርቲ (havo): በዚ ዲፕሎማ ድማ ኣብ ላዕለዋይ ናይ ሞያ ትምህርቲ ክትኣቱ ትኽእል (hbo);
  • መዳለዊ ትምህርቲ ንዩኒቨርሲቲ። (vwo): በዚ ዲፕሎማ ድማ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወይ ድማ ኣብ ላዕለዋይ ናይ ሞያ ትምህርቲ ክትኣቱ ትኽእል።

ሓደሽቲ ናብ ሆላንድ ዝመጹ ቆልዑ መብዛሕቱ ግዜ ቛንቛ ምእንቲ ክመሃሩ ኣብ እህጉራዊ መሰጋገሪ ቤት-ትምህርቲ (ISK) እዮም ዝኣትዉ። ብገምጋም ድሕሪ ዓመት ድማ ናብቲ ሆላንዳውያን ዘመሃርሉ መቐጸልታ ትምህርቲ ይኣትዉ። ይኹን እምበር ኩሉሞ ቆልዑ ቅድሚ 18 ዓመቶም ኣብ ናይ ሆላንዳውያን መቐጸልታ ትምህርቲ ክኣትዉ ኣይክእሉን። መብዛሕቱ ግዜ እዞም ስደተኛታት እዚኣቶም ዲፕሎማ ንምምጻእ ብመንገዲ እቲ ዝተሓተ ክፍሊ ናይ ማእከላይ ናይ ሞያ ትምህርቲ ኣቢሎም ትምህርቶም ይቕጽሉ።

ISK

ንስኻ ወይ ቆልዓኻ ናብ ISK (ኣህጉራዊ መሰጋገሪ ክፍሊ) ትኸዱ ዲኹም? ከምኡ እውን ብዛዕባ ISK ን ድሕሪኡ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእልን ብዝምልከት ዝያዳ ክትፈልጥ ትደልይ ዲኻ? ስለዚ ነዘን ዝስዕባ ቪድዮታት ተልመከት።

  • መእተዊ፣ ISK ኣብ ስርዓተ-ትምህርቲ ኔዘርላንድ ኣየናይ ቦታ ኣለዎ፣ ከምኡ እውን ኣብ ISK እንታይ ትመሃር።
  • መንገዲ-ትምህርቲ 1፣ ተማሃራይ ኣብ መንገዲ 1 እንተድኣ ሃልዩ ናብ ኣየናይ ንኽጽንበር እዩ ዝሰርሕ።
  • መንገዲ-ትምህርቲ 2፣ ተማሃራይ ኣብ መንገዲ 2 እንተድኣ ሃልዩ ናብ ኣየኖት ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ንኽጽንበር እዩ ዝሰርሕ።
  • መንገዲ-ትምህርቲ 3፣ ኣየናይ መቐጸልታ ትምህርቲ እዩ ምስ ናይ ምጽንባር ገጽታ መንገዲ 3 ዝከኣል።

ወጻኢታት

መባእታን መቐጸልታን ትምህርቲ ዳርጋ መብዛሕቱ በመንግስቲ እዩ ዝኽፈል። ገለ ገለ ናይ ቤት-ትምህርቲ ንዋት ከምኡውን ናይ ቤት-ትምህርቲ መገሻ ግን ወለዲ ክኸፍልዎ ኣለዎም። ንእቶት ዘይብሎም ሰባት ገለገለ ኣብያተ ትምህርቲ ናይ ዋጋ ምግዳል ይገብራ፡ እዚ ጥራሕ ዘይኮነ ውን ናይ ምሕረት ተኽእሎ  ይህባ።

ማእከላይ ናይ ሞያ ትምህርቲ

ማእከላይ ናይ ሞያ ትምህርቲ ክትከታተል እንተደኣ ደሊኻ ግን ናይ ሆላንድ ናይ መቐጸልታ ትምህርቲ ዲፕሎማ ዘይብልካ እንተኾይኑ መጀመርያ ሃገራዊ መርመራ NT2-1 ክትሓልፍ ኣለካ። ናይ ማእከላይ ናይ ሞያ ቤት-ትምህርቲ (መብዛሕቱ ግዜ ብ ኤር.ኦ.ሰይ ዝዳሎ) ኣብ ውሽጢ እንተነውሐ እርባዕተ ዓመት ሓደ ፍሉይ ሞያ ይምህረካ። መብዛሕቱ ናይ ማእከላይ ናይ ሞያ ትምህርቲ ስራሕን ወይ ድማ ናይ ስራሕ ልምምድን ትምህርትን ዘጠቓለለ እዩ። ሳሕቲ ውን ማእከላይ ናይ ሞያ ትምህርቲ ምስ ናይ ምስ ሕብረተሰብ ምውህሃድ ትምህርቲ ብሓንሳብ ክትወስዶ ትኽእል።

ላዕለዋይ ናይ ሞያ ትምህርትን ዩኒቨርሲቲን

ኣብ ናይ ላዕለዋይ ናይ ሞያ ትምህርቲ ወይ ዩኒቨርሲቲ ባቸሎር ወይ ድማ ማስተር ዲግሪ ክትወስድ ትኽእል። ላዕለዋይ ናይ ሞያ ትምህርቲ  ፍሉይ ሞያ ምምሃር ዘተኮረ ኮይኑ ዩኒቨርሲቲ ግን ብዝያዳ ክልሰ-ሓሳባዊ ትምህርቲ እዩ። ኣብ ላዕለዋይ ናይ ሞያ ትምህርቲ ወይ ድማ ዩኒቨርሲቲ ክትመሃር እንተዳኣኮንካ እዚ ዝስዕብ ጉዳያት ኣገዳሲ እዩ፡

  • ናይ ሆላንድ ዲፕሎማ የብልካን ድዩ? ንኩሉ ኣብ ሆላንድ ዘሎ ትምህርትታት ሃገራዊ መርመራ NT2-II ክትሓልፍ ኣለካ። ንናይ እንግሊዝኛ ትምህርትታት IELTS- ወይድማ TOEFL መርመራታት ክትሓልፍ ኣለካ።
  • እኹል ቅድመ-ትምህርቲ ክህልወካ ኣለዎ። ኣብ ሃገርካ ዝተመሃርካዮ ዲፕሎማ እንተኣለካ ነዚ ብ ኣህጉራዊ መምዘኒ ዲፕሎማ (IDW): www. idw.nl ደረጃኡ ከተመርምሮ ትኽእል። ብመሰረት እዚ ዝተገብረ ናይ ደረጃ ምርመራ እታ ቤት-ትምህርቲ እኹል ቅድመ-ትምህርቲ ዘለካ እንተኾነ ትውስን ከምኡውን ወይድማ ንገለ ክፋል ናይቲ ትምህርቲ ምምሃር ዘይድልየካ እንተኾነ ውን ክረአ ተኽእሎ ኣሎ። ዲፕሎማ ዘይብልካ እንተኾነ ከምኡውን ወይድማ  እቲ ቅድመ-ትምህርትኻ እኹል እንተዳኣ ዘይኮይኑ ሽዑ መእተዊ መርመራ ክትምርመር ኣለካ። እዚ ድማ ናይ ልዕሊ 21+ መእተዊ መርመራ ይበሃል። ኣብቲ ቤት-ትምህርቲ ኣየናይ ዓይነት ትምህርቲ ክትከታተል ከምትደሊ ሕተት።
  • መሰጋጋሪ ትምህርቲ መዳለዊ ንናይ ላዕለዋይ ናይ ሞያ ትምህርትን ዩኒቨርሲቲን እዩ። ኣብዚ ናይ ነዘርላንድስ ናይ ቛንቛ ክእለትካ ተመሓይሽ ከምኡውን ንትቕጽሎ ትምህርትኻ ኣገዳሲ ዝኽውን ዓይነታት ትምህርቲ ትመሃር። ብጀካ እዚ ካልኦት ዓይነታት ትምህርቲ ከም ንኽትመሃር ዘድልየካ ክእለት፡ ስነፍልጠት ኮምፕዩተር ከምኡውን ማሕበራዊ ፍልጠት ዝኣመሰለ ትመሃር። እዚ መሰጋገሪ ትምህርቲ ውን ናይ ሆላንድ ናይ ትምህርቲ ባህሊ ንኽትለማመድ ጽቡቕ ዕድል ይህበካ። እዚ መሰጋገሪ ትምህርቲ ዝግበኣካ እንተኾነ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ወይ ድማ ንUAF ሕተት
  • ኣስተውዕል፡ ኣብ መበል 18 ዓመትካ ትምህርቲ ትከታተል እንተዳኣ ዘየለኻ ወይ ድማ ዘይወዳእካ እንተኾንካ መብዛሕቱ ግዜ ናይ ምስ ሕብረተሰብ ምውህሃድ መርመራ ወይ ድማ ሃገራዊ መርመራ NT2 ክትሓልፍ ግዱድ ኢኻ።

ማሕደረ-ትምህርቲ ከምኡውን ገንዘባዊ ሓገዝ ንናይ ትምህርቲ ወጻኢታት

ሕጂ ትምህርቲ ትከታተል ኣለኻ ዲኻ ወይስ ኣብ ዝመጸእ ዘሎ ናይ ትምህርቲ-ዓመት ትምህርቲ ክትጅምር ዲኻ? ናይ ዑቕባ መንበሪ-ፍቓድ ኣለካ ዶ ወይስ ስሩዕ ንዘይተወሰነ ግዜ መንበሪ-ፍቓድ ኣለካ ዶ? ከምኡውን ዕድሜኻ ኣብ መንጎ 18 ስጋብ 30 ዓመት ድዩ? ከምኡ እንተኾነ መብዛሕትኡ ግዜ ገንዘባዊ ሓገዝ (ንመቐጸልታ ትምህርትን ማእከላይ ናይ ሞያ ትምህርትን) ወይ ድማ ማሕደረ-ትምህርቲ (ን ማእከላይ ናይ ሞያ ትምህርቲ፡ ላዕለዋይ ናይ ሞያ ትምህርቲ ከምኡውን ዩኒቨርሲቲ) ኣብ ዲዎ (DUO) ክትሓትት ትኽእል። ማሕደረ-ትምህርቲ ገለ ክፋሉ ህያብ (ተወሳኺ ማሕደረ-ትምህርቲ) ገለ ክፍሉ ድማ ለቓሕ ኮይኑ ትምህርትኻ ምስወዳእካ ክትመልሶ ዘለካ እዩ። ገንዘባዊ ሓገዝ ገለ ክፍሉ ህያብ እዩ። እዚ ዝግበኣካ እንተኾነ ኣብ www.duo.nl ረአ።

ዕድሜኻ ኣብ መንጎ 30 ዓመትን 55 ዓመትን እንተኾነ ኣብ ፍሉይ ኩነታት ንመምሃሪ ወይ ድማ ናይ ትምህርቲ ገንዘብ መኽፈሊ ካብ ዲዎ (DUO) ገንዘብ ክትልቃሕ ትኽእል።

ማሕበር ንስደተኛታት ተመሃሮ UAF

UAF ንስደተኛታት ኣብ ትምርህቶምን ኣብ ስራሕ ምርካብን ይሕግዞም። ዋላ ውን መንበሪ-ፍቓድ እንተዘይብልካ ወይ ውን ማሕደረ-ትምህርቲ ዘይግበኣካ እንተኾነ ምናልባሽ ነቲ ክትመሃሮ ዝመደብካ ትምህርቲ መኽፈሊ ዝኸውን ናይ ገንዘብ ሓገዝ ክትረክብ ይከኣል ይኸውን። እቲ ንትምህርቲ ዝኽፈል ገንዘብ ከም ዓመታዊ መምሃሪ ገንዘብ፡ ናይ ቛንቛ ትምህርቲ፡ መጻሕፍትን ወጻኢታት ናይ መግዓዝያን ዝኣመሰሉ እዮም። UAF ውን ዓይነት ትምህርቲ ኣብ ምምራጽ ክሕግዘካ ይኽእል፡ ኣብ ናይ ትምህርቲ ግዜኻ ክሕግዘካ ይኽእል ከምኡውን ስራሕ ንምድላይ ክሕግዘካ ይኽእል። ነዚ ሓገዛት ንምርካብ መጀመርያ ኣብ UAF ከም ዓሚል ክትጸሓፍ ኣለካ። ኣብዚ ዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ናይ ምሕላፍ መስርሕን UAF እንታይ ከምዝሰርሕን ኣንብብ