ስራሕን እቶትን

መብዛሕቶም ስደተኛታት ቀልጢፎም ስራሕ ክጅምሩ ይደልዩ። ኣብ ሆላንድ ሓድሽ ሂወት ንምህናጽ ስራሕ ኣገዳሲ ስጉምቲ እዩ። ሰሪሕካ ክትኣቱ ኮለኻ ጽቡቕ ይስመዓካ ከምኡ ድማ ርእስኻ ትኽእል ኣለኻ። ስጋብ ቛንቛ ነዘርላንድስ ኣጸቢቖም ዝመልክዎ ንመብዛሕቶም ስደተኛታት ስራሕ ክረኽቡ ኣጸጋሚ እዩ። ስጋብ ስራሕ ትረክብ ኣብ ሆላንድ ካብ መንግስቲ ገንዘባዊ መንበሪ ገንዘብ ይወሃበካ። ኣብዚ ገጽ እዚ ብዛዕባ እዚ ብመንግስቲ ንመንበሪ ዝወሃብ ገንዘባዊ ሓገዝ፡ ስራሕ ምርካብ ከምኡውን ቀረጽ እቶት ክንገልጽ ኢና።
placeholder

ብመንበሪ ፍቓድ ምስራሕ

ናይ ዑቕባ መንበሪ-ፍቓድ እንተኣለካ ኣብ ናይ ሽቕለት ዕዳጋ ዘለካ ግቡኣትን መሰላትን ምስ ዝኾነ ሆላንዳዊ ማዕረ እዩ። ኣብቲ ናይ ወጻእተኛታት ሰንደካ (ዝተዋህበካ መንነት) እዚ ተጻሒፉ ኣሎ ‘Arbeid vrij toegestaan; TWV niet vereist’. ንስራሕ ዘይፍቅድ ገለ መንበሪ-ፍቓድ ውን ኣሎ። ኣብቲ ናይ ወጻእተኛታት ሰንድካ ድማ ተጻሒፉ ኣሎ።

ስራሕ ንኽረክብ መን እዩ ክሕግዘኒ?

ኣብ ከባቢኻን ትቕመጠሉ ቦታን እንታይ ተኽእሎታት ከምዘሎ ኣብ ምምሕዳርካ ሕተት። ናይ ስራሕ ደለልቲ ቤት-ጽሕፈታት መብዛሕቱ ግዜ ንግዜኡ ስራሕ ይረኽባልካ። ናይ ግብረሰናይ ማሕበራት ከም ማሕበር ተሓጋገዝቲ ስደተኛታት፡ UAF፡ ተውህቦ ስደተኛት ሁብ (Refugee Talent Hub) ውን ሳሕቲ ስራሕ ንምርካብ ክሕግዛ ይኽእላ።

ምኽሪ ስራሕ ንምርካብ

  • ጽቡቕን ንጹርን ሓጺር መን ከም ምዃንካ  ዝገልጽ ጽሑፍ(CV) ትምህርትኻን ተሞክሮ ስራሕካን ዘለዎ ኣዳሉ።
  • ኣብ www.linkedin.com ጽቡቕ መን ከም ምዃንካ ዝገልጽ ከምኡውን ጽቡቕ ስእሊ ዘለዎ ጽሑፍ ኣዳሉ።
  • ኣብ www.refugeetalenthub.com ጽቡቕ መን ከም ምዃንካ ዝገልጽ ጽሑፍ ኣዳሉ።
  • ኣብ ኢንተርነት ኣብ ወብሳይት www.indeed.nl, www.nationalevacaturebank.nl en www.werk.nl. ዝኣመሰለ ክፉት ናይ ስራሕ ቦታ ድለ።
  • ንትፈልጦም ሰባት ንዓኻ ዝሰማማዕ ስራሕ ዝፈልጡ እንተኾኑ ሕተት።
  • ኣብ ናይ ስራሕ ደላሎ ቤት-ጽሕፈታት ምስ ትጸሓፍ ናትካ መንፈዓት ኣርኢ። እቶም ናይ ስራሕ ደላሎ ቤት-ጽሕፈታት ቅድሚ ንዓኻ ምስ ወሃቢ  ስራሕ  ምልላዮም ንዓኻ ክኣምኑኻ ኣለዎም።
  • ናይ ወለንተኛ ሰራሕተኛ ኩን። በዚ መንገዲ ናይ ስራሕ ተሞክሮ ተጥሪ፡ ቛንቛ ነዘርላንድስ ተመሓይሽ፡ ምስ ሰባት ሌላ ተጥሪ፡ ቁም ነገር ከም ዝገበርካ ድማ ይስመዓካ ከምኡውን ንከስርሑካ ዝኽእሉ ወሃብቲ ስራሕ ጻዕረኛ ከም ምዃንካ ኣርኢ። ማሕበር ተሓጋገዝቲ ስደተኛታት ውን ቀጻሊ ወለንተኛታት ይደልዩ እዮም።

 

ቀረጽ ናይ እቶት

እንተሰሪሕካ ዋላ ውን ካብ መንግስቲ ንመንበሪ ገንዘባዊ ሓገዝ ትወስድ እንተኾንካ ቀረጽ ክትከፍል ናይ ግድን እዩ። መብዛሕቱ ግዜ እቲ ወሃብ ስራሕ እዩ እቲ ቀረጽ ዘመሓላልፎ፡ ወይ ድማ ምምሕዳር መንበሪ ገንዘባዊ ሓገዝ ትወስድ እንተኾንካ።
ሓደ ግዜ ኣብ ዓመት ክፍሊ ቀረጽ መንግስቲ ኩሉ ሓበሬታ ብዛዕባ እቶትካ ዲጂታል ስደደልና ክብሉኻ ይኽእሉ።እዚ ድማ ምምልካት ይበሃል። ካብ ክፍሊ ቀረጽ መንግስቲ ብዛዕባ ምልክታ መልእኽቲ እንተዳኣመጺካ እቲ ዝተባህለካ ክትገብር ኣለካ። ሽዑ ክፍሊ ቀረጽ መንግስቲ እኹል ቀረጽ ከፊልካ እንተኾንካ ሕሳብ ይገብር። ወይ ድማ ምናልባሽ ዝያዳ ቀረጽ ክፈል ትበሃል ወይውን ገንዘብ ይምለሰካ። እቲ ምልክታ ናይ ቀረጽ ጽቡቕ ከምዝመላእካዮ ንምርግጋጽ ካብ ክፍሊ ቀረጽ ናይ መንግስቲ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል። ሓገዝ ንምርካብ ናብ ክፍሊ ቀረጽ መንግስቲ ደዊልካ ቆጸራ ትገብር፡ ቁጽሪ ተለፎን 0800-0543።

ኣስተውዕል ካብ ቀረጽ ዝምለስ ገንዘብ

ዝያዳ ናይ እቶት ቀረጽ ተኸፊልልካ እንተዳኣኮይኑ፡ ንኣብነት ገለ ክፋል ናይቲ ዓመት ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት ጸኒሕካ እንተኾነ M-ዝምላእ ቀጥዒ ተጠቒምካ ገንዘብ ክምለሰልካ ይኽእል። ኣብዚ ከተስተውዕሎ ዘለካ ግን እቲ ምምሕዳር ነዚ ካብ ክፍሊ ቀረጽ ዝምለሰካ ገንዘብ ከም እቶት ክሪኦ ይኽእል እዩ። ምምሕዳር ነዚ ካብ ክፍሊ ቀረጽ መንግስቲ ዝተዋህበካ ገንዘብ ካብቲ ዝወሃበካ መንበሪ ገንዘባዊ ሓገዝ የግድሎ። ስለዚ ቅድሚ M-ዝምላእ ቀጥዒ ምምላእካ መጀመርያ ምምሕዳር ነዚ ካብ ክፍሊ ቀረጽ መንግስቲ ዝወሃብ/ዝምለስ ገንዘብ ብኸመይ ከምዝሪኦ ሕተት።

እቶትን ስራሕን ኣብ ናይ ዑቕባ መስርሕ

ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት ኣብ ዘለኻሉ እዋን ካብ COA ኣብ ሰሙን ንመግብን ክዳንን ዝኸውን ገንዘብ ይወሃበካ። ናይ ዑቕባ መስርሕካ ካብ ሹዱሽተ ወርሒ ንላዕሊ ዝጸንሕ እንተኾነ ሽዑ ደሞዝ ዘለዎ ስራሕ ወይ ድማ ናይ ገዛእ ርእስኻ ትካል ኣቚምካ እቶት ከተእቱ ትኽእል። እዚ እንተነውሐ 24 ሰሙናት ኣብ ዓመት ይፍቀድ። እቲ ወሃቢ ስራሕካ ናይ ስራሕ ፍቓድ ክሓትት ኣለዎ Tewerkstellingsvergunning (TWV)።  እቶት ምስትረክብ አቲ ንመንበሪ ዝወሃበካ ገንዘብ (ብከፊል) ይጎድል። ኣብ ናይ ዑቕባ መስርሕ ዘሎ ግዜ ናይ ወለንተኛ ስራሕ (ብዘይ ደሞዝ) ክትሰርሕ ግን ፍቑድ እዩ።

 

 

ስራሕ ኣለካ ድዩ፣ ከምኡ እውን ካብ ማእከል መዕቆቢ ስደተኛታት ናብ ሓደ ገዛ ክትግዕዝ ዲኻ?

ስለዚ ምስቲ ናይ ጒዕዞ ግዜን ናይ መጓዓዝያ ወጻኢታትን ዝከኣል እንተድኣ ኮይኑ፣ ስራሕካ ንኽትዕቅቦ ፈትን። ባዕልኻ ስራሕካ እንተድኣ ኣቋሪጽካዮ፣ ናይ ማሕበራዊ ደገፍ ኣውትኬሪንግ ክትረክብ መሰል ዘይብልካ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ከምኡ እውን ምምሕዳር ከተማ ንኣውትኬሪንግካ ክነጽጎ ወይ ናብ ካልእ ግዜ ከሰጋግሮ ይኽእል እዩ።  ምስ ኣስራሒኻ ተመያየጥ፣ ምናልባት ካብ ስራሕ ንገለ ሳምንታት ዕረፍቲ ክትወስድ ትኽእል ትኸውን፣ ገዛኻ ኣቚሑት ንኽትገብረሉን ንኸተወቅቦን ከምኡ እውን ንኽትግዕዝን ግዜ ምእንቲ ክትረክብ።  ንሒደት ሰዓታት ትሰርሕ እንተድኣ ኮይንካን፣ ብዛዕባ ኣታዊኻ ሻቕሎት ምስ ዝህልወካን፣ ምስ ምምሕዳር ከተማ ወይ ምስ ናይ ቤት-ምኽሪ ስደተኛታት ተሓጋጋዚኻ ተዘራረበሉ።

ካብ ስራሕ ተባቢርካ? እሞ ኣውትኬሪንግ ክትሓትት ትኽእል ዶ?

ስራሕ ደው ምስ ተብል ወይ ድማ ዝወሓደ ሰዓታት ምስ ትሰርሕ እንታይ ክትገብር ከምዝግባእ ከነርእየካ ኢና።
ኣየናይ ዓይነት ኣውትኬሪንግ ኢኻ ትሓትት? ነዚ ኸ ብኸመይ ኣገባብ ትገብሮ?

እቶትን ማሕበራዊ ውሕስነትን

ስራሕ ዘይብልካ ምስትኸውን ወይውን እቶትካ ውሑድ እንተኾነ ገለ ካብቲ ዘሎ ኣገልግሎታት ክትጥቀም ትኽእል። ነዚ ኣገልግሎት ንኽትጥቀም ግን መብዛሕቱ ግዜ ናይ ዜጋ መለለይ ቁጽሪ (BSN) ከምኡውን ዲኺደይ (DigiD) የድልየካ። ሓበሬታ ብዛዕባ ዲኺደይ (DigiD) ኣብ ብዛዕባ መንበሪ-ቤት ዘሎ ገጽ ተመልከት

1.ንመንበሪ ዝወሃብ ገንዘባዊ ሓገዝ

ካብ መዕቆቢ ስደተኛታት ወጺእካ ኣብ ምምሕዳር ገዛ ረኺብካ ምስ ተቐመጥካ ስራሕ እንተዘይብልካ ኣብ ምምሕዳር ንመንበሪ ዝኸውን ገንዘባዊ ሓገዝ ክትሓትት ትኽእል።
መብዛሕቱ ግዜ ማሕበር ተሓጋገዝቲ ስደተኛታት ቅድሚ ምግዓዝካ ነዚ ንምሕታት ይሕግዘካ። ገንዘባዊ ሓገዝ ንመንበሪ ወርሓዊ ካብ ናይ ሆላንድ መንግስቲ ዝወሃበካ ገንዘብ እዩ። እዚ ዉሑድ ገንዘብ ኮይኑ በዚ ኩሉ ወጻኢታትካ ክትሽፍን ኣለካ። ንመፈረሺ  መንበሪ-ቤትካ ዝኸውን ካብ ምምሕዳር ገንዘብ እንተዳኣ ተለቂሕካ ምምሕዳር ነዚ ለቃሕ ንምምላስ ንዝተወሰነ ግዜ ወርሓዊ ካብቲ ዝህበካ ገንዘባዊ ሓገዝ የግዱለልካ። ብጀካ እዚ ገለ ምምሕዳራት ነዚ ዝህባኻ መንበሪ ገንዘባዊ ሓገዝ ሰሪሕካ ክትፈድየን ይደልያ። ንኣብነት ናይ ወለንተኛ ስራሕ ከምኡውን ወይድማ ናይ ነዘርላንድስ ቛንቛ ትምህርቲ ትከታተል ከምዘለኻ መረጋገጺ።

2. ናይ ገዛ ክራይን ናይ ጥዕና መድሕንን ገንዘባዊ ሓገዝ

እቶትካ ትሑት እንተኾነ መብዛሕቱ ግዜ መሰል ናይ ገንዘባዊ ሓገዛት ኣለካ። እዚ ማለት መንግስቲ ሆላንድ ነቲ ዘለካ ናይ ገዛ ክራይን ናይ ጥዕና መድሕን ወጻኢታት ንምኽፋል ይሕግዘካ ማለት እዩ። ብዝሒ ናይ ገዛ ክራይን ናይ ጥዕና መድሕንን ገንዘባዊ ሓገዝ ኣብ ናትካ ናይ ውልቂ ኩነታትን ብዝሒ እቶትካን ዝተሞርኮሰ እዩ። ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት ኮለኻ ፡ ቅድሚ ገዛኻ ምሓዝካ ኮዋ (COA) ናይ ገዛ ክራይን ናይ ጥዕና መድሕን ሓገዝን ይሓተልካ። ነዚ ንምግባር ግን ኮዋ (COA) ቅዳሕ ናይ ዝፈረምካሉ ናይ ገዛ ክራይ ውዕል ይደሊ። ስለዚ እዚ ዝተፈረመ ቅዳሕ ናይ ገዛ ክራይ ውዕል ነቲ ተሓጋጋዚኻ ናይ ኮዋ (COA) ክትህቦ ኣለካ።

ክፍሊ ቀረጽ መንግስቲ ነዚ ገንዘባዊ ሓገዝ ወርሓዊ ኣቐዲሙ እዩ ዝኸፍለካ። እቲ ዓመት ምስ ተወደአ ክፍሊ ቀረጽ መንግስቲ እቲ ዝተዋህበካ ወርሓዊ ገንዘባዊ ሓገዝ ቅኑዕ ምንባሩ ውይ ዘይምንባሩ ሕሳብ ይገብር። ንኣብነት ኣብ ፍርቂ ናይቲ ዓመት ዝያዳ ደሞዝ ዘለዎ ስራሕ እንተጀመርካ ኣብ መጨረሽታ ናይቲ ዓመት ክፋል ናይቲ ወርሓዊ ዝተዋህበካ ገንዘባዊ ሓገዝ ምለሶ ክትበሃል ይከኣል። ምቅይያር ናይ እቶትካ ኩሉ ግዜ ኣብ ግዜኡ ንክፍሊ ቀረጽ መንግስቲ ሓብር። ዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ገንዘባዊ ሓገዝ ብነዘርላንድስ

ድጎማታት፥ ኣብ ኣታዊኻ ዝህሉ ለውጥታት ሓብር

ኣብ መጠን ኣታዊታትካ ገለ ዝተቐየረ ነገር ኣሎ? ኣብ ከምኡ ኩነታት፡ መታን ትሑት ወይ ዘይግበኣካ ልዑል መጠን ድጎማ ከይትወስድ፡ ንኣገልግሎት ቀረጽ (ብላስቲንግ ዲንስት) ክትሕብር ኣገዳሲ እዩ። ኣብ’ዛ ፊልም፡ ኣብ መርበብ ገጽ ናይ ኣገልግሎት ቀረጽ (ብላስቲንግ ዲንስት) ኣቲኻ፡ ኣታዊታትካ ብኸመይ ኣገባብ ክትቅይር ከምትኽእል ክነረደኣካ ኢና፦ www.toeslagen.nl

 

3. ገንዘባዊ ሓገዝ ናይ ቆልዑ

ገንዘባዊ ሓገዝ ናይ ቆልዑ ብመንግስቲ ሆላንድ ዝወሃብ ሓገዝ ኮይኑ ቆልዑ ስጋብ 18 ዓመት ዝገብሩ ንምዕባዮም ዘሎ ወጻኢታት እዩ። ብዝሒ ናይዚ ገንዘብ ኣብ ዕደመ ናይቲ ቆልዓ ከምኡውን ወይድማ እዚ ቆልዓ ምስኻ ዝቕመጥ ምዃኑ ወይ ዘይምዃኑ ይሙርኮስ። ገንዘባዊ ሓገዝ ናይ ቆልዑ ብማሕበራዊ ናይ መድሕን ባንክ (SVB) ሓደ ግዜ ኣብ ሰለስተ ወርሒ እዩ ዝኽፈል። መንበሪ-ፍቓድ ምስተዋሃብካ ገንዘባዊ ሓገዝ ናይ ቆልዑ ክትሓትት ትኽእል። ሳሕቲ ኮዋ (COA) ነዚ ይሓተልካ እዩ። እቲ ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት ኮለኻ ንቆልዑ ንመንበሪ ተባሂሉ  ብኮዋ (COA) ዝወሃበካ ገንዘብ ካብ መንበሪ-ፍቓድ ዝተዋሃብካሉ ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ የቛርጽ። ዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ምሕታት ገንዘባዊ ሓገዝ ናይ ቆልዑ ብዝተፈላለየ ቛንቛታት።

4. ባጀታዊ ገንዘባዊ ሓገዝ ናይ ቆልዑ

ባጀታዊ ገንዘባዊ ሓገዝ ናይ ቆልዑ (KGB) ወርሓዊ ገንዘባዊ ሓገዝ ንስድራቤታት ኮይኑ ኣብ ልዕሊ እቲ ገንዘባዊ ሓገዝ ናይ ቆልዑ ዝወሃብ እዩ። አዚ ሓገዝ እዚ ንትሑት እቶት ዘለዎም ስድራቤታት ኮይኑ ብክፍሊ ቀረጽ መንግስቲ ይኽፈል። ገንዘባዊ ሓገዝ ናይ ቆልዑ ዝወሃበካ እንተዳኣኮይኑ ከምኡውን ድሕሪ ኣብ ምምሕዳር መንበሪ-ቤት ምስተዋሃበካ ናይ ገዛ-ክራይን ናይ ጥዕና መድሕንን ገንዘባዊ ሓገዝ እንተዳኣ ተዋሂብካ ሽዑ ከይሓተትካ ባዕሎም ባጀታዊ ገንዘባዊ ሓገዝ ናይ ቆልዑ ክህቡኻ እዮም። በዓልቲ ቤትካ ወይ በዓል ቤትኪ ኣብ ወጻኢ ድዩ ዘሎ/ዘላ? ከምኡ እንተኾነ በዓልቲ ቤትካ ወይ በዓል ቤትኪ ኣብ ሆላንድ ምስመጸ (ት) ብዛዕባ ባጀታዊ ገንዘባዊ ሓገዝ ናይ ቆልዑ ዝምልከት ጸገማት ክስዕብ ይኽእል። ነዚ ንምክልኻል እንታይ ክትገብር ከምዘለካ ንማሕበር ተሓጋገዝቲ ስደተኛታት ሕተት። ዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ባጀታዊ ናይ ቆልዑ ገንዘባዊ ሓገዝ።

5. ገንዘባዊ ሓገዝ ንመውዓሊ ህጻናት

ትሰርሕ ወይ ድማ ናይ ምስ ሕብረተሰብ ምውህሃድ ትምህርቲ ትከታተል እንተኾንካ ሞ ደቕኻ ድማ ጌና ናብ መቐጸልታ ቤት-ትምህርቲ (ማእከላይን ላዕለዋይን ደረጃ ትምህርቲ) ዘይከዱ እንተኾነ ሽዑ ደቕካ ናብ መውዓሊ ህጻናት ወይ ድማ ናብ መጽንሒ ህጻናት ድሕሪ ናይ ትምህርቲ ሰዓታት (BSO) ክኸዱ ይኽእሉ። ነዚ መውዓሊ ወይ መጽንሒ ህጻናት ዘሎ ወጻኢታት ንምኽፋል ንመንግስቲ ሆላንድ ብኸፊል ገንዘባዊ ሓገዝ ክህበካ ክትሓቶ ትኽእል። እዚ ገንዘባዊ ሓገዝ ናይ መውዓሊ ህጻናት ይበሃል። ኣስተውዕል! በዓል ቤትካ/በዓል ቤትኪ ኣብ ሆላንድ (ጌና) ዘይቅመጥ እንተኾነ መብዛሕትኡ ግዜ መሰል ናይ መውዓሊ ህጻናት ገንዘባዊ ሓገዝ የብልካን። ኣብ መወዳእታ ብዙሕ ገንዘብ ምለስ ምእንቲ ከይትበሃል ኣቐዲምካ ንማሕበር ተሓጋገዝቲ ስደተኛታት ወይ ድማ ክፍሊ ቀረጽ መንግስቲ  ሓቲትካ ኣረጋግጽ። ዛያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ባጀታዊ ናይ ቆልዑ ገንዘባዊ ሓገዝ ብነዘርላንድስ።

6. ናይ መግቢ ባንክን ካልኦት ኣገልግሎትን

ኣብ ብጣዕሚ ብዙሓት ምምሕዳራት ንዉሑድ እቶት ዘለወን ስድራቤታት ንምንባር ዘድሊ ነገራት (መግቢ)ዝዕድላ ማሕበራት ኣለዋ። እዚ ድማ ናይ መግቢ-ባንክ ይበሃል። (voedselbank) ናይ ማሕበር ተሓጋገዝቲ ስደተኛታት ተሓጋጋዚኻ እዚ ሓገዝ ይግበኣካ እንተኾነ ክርእየልካ ይኽእል ከምኡውን ነዚ ኣብ ምሕታት ክሕግዘካ ይኽእል። ኣብ ዝተፈላለዩ ምምሕዳራት ዝተፈላለዩ ንትሑት እቶት ዘለዎም ስድራቤታትን ውልቀሰባትን ተባሂሉ ዝወሃብ ኣገልግሎት ክህሉ ይኽእል። ንኣብነት ዘይተጸበኻዮም ወጻኢታት ምስዘጋጥሙኻ ዝወሃብ ህጹጽ ሓገዝ፡ ወይ ድማ ክፍሊት ናይ ስፖርት ክለብ ናይ ውላድካ ትኸፍለልካ ማሕበር። ብዛዕባ እዚ ንምምሕዳር ወይድማ  ንተሓጋገዝቲ ናይ ማሕበር ተሓጋገዝቲ ስደተኛታት ሕተት።

 

ነዚ ኣርእስቲ ብዝምልከት ተወሰኽቲ ፊልማት ክትርእይ ትደልይ ዶ?