ናይ ጥዕና ክንክን

ሆላንድ ጽቡቕ ናይ ጥዕና ክንክን ኣለዋ። ናይ ሆላንድ ናይ ጥዕና ክንክን ግን ክትፈልጦ ዘለካ ሕግታት ኣለዎ። ኣብዚ ገጽ ሓበሬታን መግለጽን ብዛዕባ ናይ ግድን ናይ ጥዕና መድሕን፡ ባዕልኻ ትስከሞ ዝኽፈል ገንዘብ፡ ናይ ክንክን ገንዘባዊ ሓገዝ፡ ናይ ገዛ ሓኪም፡ ፍሉይ ክንክን ከምኡውን ዝተረፈ።
placeholder

ናይ ግድን ናይ ጥዕና መድሕን

ኣብ ሆላንድ ዝኾነ ሰብ ካብ 18 ዓመት ንላዕሊ ንናይ ጥዕና ወጻኢታት መድሕን ክኣቱ ግዱድ እዩ። ናብ ናይ ገዛ ሓኪም ምስትኸይድ፡ ክፋል ናይ ዋጋታት ናይ መድሃኒት ከምኡውን ኣብ ኣስቢዳለ ዝግበረልካ ክንክን፡ ብዛዕባ እዚ ዘሎ ወጻኢታት ትካል ናይ ክንክን መድሕን ይኸፍሎ። እቲ ትካል ናይ ክንክን መድሕን ከንደይ ከምዝኸፍል ከምኡውን ንስኻ ክንደይ ከም ትኸፍል ኣብ ክልተ ነገራት ይሙርኮስ፡- እቲ ዓይነት መድሕንን ባዕልኻ ትስከሞ ዝኽፈል ገንዘብን ። እቲ ዓይነት መድሕን ብከፊል ባዕልኻ ክትመርጾ ትኽእል ኢኻ። ልዕሊ እቲ መሰረታዊ  ግዱድ ዝኾነ መድሕን ከም ተወሳኺ ዝተፈላለዩ መድሕን ክትኣቱ ትኽእል። ብጀካ እዚ መብዛሕተን ናይ መድሕን ትካላት ሕጋዊ ባዕልኻ ትስከሞ ዝኽፈል ገንዘብ ኣለወን። እዚ ባዕልኻ ትስከሞ ማለት ዓመታዊ ባዕልኻ ትኸፍሎ ኮይኑ ነዚ ምስ ከፈልካ እያ እታ ትካል ናይ ክንክን መድሕን ክትከፍለልካ ትጅምር ማለት እዩ። ናብ ናይ ገዛ ሓኪም ምኻድ ግን  ኣብ ትሕቲ ባዕልኻ ትስከሞ ዝኽፈል ገንዘብ ኣይኮነንን። ስለዚ ናብ ናይ ገዛ ሓኪምካ ምስትኸይድ ኩሉ ግዜ እታ ናይ መድሕን ትካል እያ ባዕላ ትኸፍሎ። ቆልዑ ስጋብ 18 ዓመት ብነጻ ኣብ መድሕን ናይ ሓደ ካብ ወለዶም ክጸሓፉ ይኽእሉ። ባዕልኻ ትስከሞ ዝኽፈል ገንዘብ ንቆልዑ ኣይምልከትን።

ባዕልካ ትስከሞ ዝኽፈል ገንዘብ ብምውሳኽ ሕስር ዝበለ ናይ ክንክን መድሕን ክትኣቱ ትኽእል ኢኻ። ዝተቐመጠ ገንዘብ እንተዘይብልካ ግን እዚ ጽቡቕ ኣይኮነን። ናይ ክንክን መድሕን ንምእታው ናይ ማሕበር ተሓጋገዝቲ ስደተኛታት ተሓጋጋዚኻ ክሕግዘካ ይኽእል።

ኣብ ገለ ገለ ምምሕዳራት መንበሪ ገንዘባዊ ሓገዝ ዝወስዱ ሰባት ሰፊሕ ናይ ክንክን መድሕን ክኣትዉ ይኽእሉ። ኣብዚ ወርሓዊ ትኸፍሎ ልዕል ዝበለ ኮይኑ ባዕልኻ ትስከሞ ዝኽፈል ገንዘብ ግን የብልካን።

ገንዘባዊ ሓገዝ ንክንክን ጥዕና

ትሑት እቶት ዘለዎም ሰባት ካብ መንግስቲ ገንዘባዊ ሓገዝ ንክንክን ጥዕና ክወሃቡ ይኽእሉ። በዚ ዝረኸብዎ ሓገዝ ድማ ብኸፊል ነቲ ወርሓዊ ናይ ክንክን መድሕን ክኸፍልዎ ይኽእሉ።  ምናልባሽ COA ቅድሚ ናብ ምምሕዳር ምግዓዝካ እዚ ናይ ክንክን ገንዘባዊ ሓገዝ ሓቲትልካ ይኸውን። እዚ ገንዘባዊ ሓገዝ ዘይትወስድ እንተኾንካ ቀልጢፍካ ምስ ተሓጋጋዚኻ ተዘራረብ።

ናይ ገዛ ሓኪም

ናይ ጥዕና ጸገማት እንተዳኣ ኣለካ መጀመርያ ናብ ናይ ገዛ ሓኪም ኢኻ ትኸይድ። እዚ ነዚ ዝስዕብ ጉዳያት ይምልከት፡ ጥንስቲ ምስትኾኒ፡ ናይ ሕክምና ምኽሪ ምስትደሊ፡ ስነኣእሙሮኣዊ ጸገማት ምስዝህልወካ ከም ናይ ምድቃስ ጸገም፡ ፍርሒ፡ ንነዊሕ እዋን  ካብ ኣእሙሮኣዊ ጸቕጢ ዝነቐለ ሓሳባት። ናይ ገዛ ሓኪም ጥራሕ እዩ ናብ ፍሉይ ክንክን ከመሓላልፈካ ዝኽእል። እዚ ፍሉይ ክንክን መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኣስቢዳለ እዩ። ኣብ ናይ ገዛ ሓኪም ቆጸራ ክትገብር እንተደሊካ መጀርመርያ ኣብኡ ክትጸሓፍ ኣለካ። ንናይ ገዛ ሓኪም እቲ ናትካ ናይ ጥዕና መድሕን ይሰርሕ ምዃኑ ሕተቶ/ታ።  ኣብ መዕቆቢ ሓተትቲ ዑቕባ ናይ ሕክምና ቃለ-መሕትት ጌርካ እንተዳኣ ኔርካ ምናልባሽ ናይ ሕክምና ፋይል ኣብ ሆላንድ ኣለካ ማለት እዩ። እቲ ሓድሽ ናይ ገዛ ሓኪምካ ናይ ሕክምና ፋይልካ ካብ ናይ ጥዕና ማእከል ናይ ሓተትቲ ዑቕባ (GCA) ወይ ድማ ድሕሪ ዕለት 1 2018 ካብ ሓኪምን ክንክንን (Arts&Zorg) ክስሕቦ ይኽእል።

ናይ ስኒ ሓኪም

ግርጻንካ ዘሕመካ እንተኾነ ወይ ድማ ነዚ ንምክልኻል ናብ ናይ ስኒ ሓኪም ትኸይድ። ኣብ ናይ ስኒ ሓኪም ውን መጀመርያ ክትጸሓፍ ኣለካ። ወጻኢታት ናይ ስኒ ሓኪም ኣብቲ መሰረታዊ ናይ ክንክን መድሕን ዝሽፍን እቱው ኣይኮነን። እዚ ወጻኢታት እንተዳኣ ተወሳኺ ናይ ስኒ መድሕን ዘይኣቲኻ ባዕልኻ ክትከፍሎ ኣለካ። ናይ ቆልዑ ስጋብ 18 ዓመት መብዛሕቱ ናይ ስኒ ወጻኢታትን (ምስ ናይ ፍርቂ ዓመት ቁጽጽር ) ካብቲ መሰረታዊ መድሕን እዩ ዝኽፈል።