ምስ ሕብረተሰብ ምውህሃድ

ናብ ኔዘርላንድ ንኽትነብር ምስ እትመጽእ፣ ነቲ ቋንቋ ክትመሃሮን፣ ከምኡ እውን ነቶም ዝተጻሕፉን ዘይተጻሕፉን ሕጋጋት ክትፈልጦምን ጽቡቕ እዩ። ከምኡ ምስ እትገብር፣ ብዝቐልጠፈ ቅኑዕ ኣንፈትካ ትሕዝ፣ ምስ ሓደስቲ ሰባት ብቀሊሉ ክትላለይ ትኽእልን፣ ከምኡ እውን ኣቀዲሙ ናይ ዘይምግያሽ ስምዒት ይህልወካን። ሓደ ሓደ ግዜ ምውህሃድ ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ኮይኑ ግን መሳጢ እውን እዩ፡ ንዓኻ ሓድሽ ዓለም ኣብ ቅድሜኻ ይገሃደልካ! ምውህሃድካ ብዓወት ንኸተሳልጦ ድማ ብከፊል ኣብ ናትካ ተበግሶ ዝምርኮስ እዩ። እንተኾነ ግን ምውህሃድ ንበይንኻ ኣይኮንካን እትገብሮ። መንግስቲ ኔዘርላንድን ኣብ ከባቢኻ ዝነብሩ ሰባትን ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። መንግስቲ ኔዘርላንድ ሓደስቲ ሰባት ግዴታ ክወሃሃዱ ከምዘለዎም ደንጊጉ እዩ። ኣብዚ ታሕቲ ድማ፣ ናይ ምውህሃድ ግዴታ እንታይ ምዃኑን፣ ሓገዝ ወይ ሓበሬታ ካበይ ከም እትሓትትን ብዝምልከት ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።
placeholder

ግዴታ ምውህሃድ

Inburgeringsplicht

 ንነፍስወከፍ ኣብ ሞንጎ 18ን 67ን ዓመት ዕድመ ዝርከብ ሰብ፣ መንበሪ ፍቓድ ምስተቐበለ ብቐጥታ እቲ ናይ ምውህሃድ ግዴታ ይጅምር። ኣብ ማእከል መዕቆቢ ስደተኛታት [AZC] ድማ ብዙሕ ግዜ ናይ ቋንቋ ትምህርትታት ክትከታተል ትኽእል ኢኻ፣ እንተኾነ ግን መብዛሕትኡ ግዜ እቲ ናይ ምውህሃድ ስልጠና ናብቲ እትነብረሉ ምምሕዳር ከተማ ንኽትነብር ምስገዓዝካ እዩ ዝጅምር። ናትካ ናይ ምውህሃድ ገደብ-ግዜ መዓስ ምዃኑ ዝገልጽ ደብዳቤ ኸኣ ድዎ [DUO] ክልእከልካ እዩ። ቅድሚ እቲ ገደብ-ግዜ ምውድኡ ድማ ናይ ምውህሃድ ዲፕሎማ ሒዝካ ክትከውን ኣለካ። ኣብ ግዜኻ ምውህሃድ ምስ ዘይትውድእን፣ ንምንታይ ከም ዘይተዓወትካ ዝገልጽ ብቚዕ ምኽንያት ምስ ዘይህልወካን፣ ድዎ [DUO] ገንዘባዊ መቕጻዕቲ ክህበካ ይኽእል እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ተወሳኺ ግዜ የድልየካ እዩ ወይ ምውህሃድ ክትውድእ ከይሰልጠካ እውን ይኽእል እዩ። ከምኡ ምስዝኸውን፣ ናይ ገደብ-ግዜ ምንዋሕ ንኽግበረልካ ወይ ሕድገት ንኽግበረልካ ናብ ድዎ [DUO] ሕቶ ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ። ቀዋሚ መንበሪ ፍቓድ ወይ ዜግነት ንኽወሃበካ ከተመልክት እንተድኣ ትደልይ ኮይንካ፣ ናይ ምውህሃድ ፈተናታትካ ብዓወት ክትሓልፎም እውን ኣገዳሲ እዩ።

ዝተፈላለዩ ሕጊታት ዘለዎም ክልተ ስርዓታት ምውህሃድ ኣለዉ፡ ስርዓተ-ምውህሃድ ካብ 2013 ጀሚሩ፣ ከምኡ እውን ስርዓተ-ምውህሃድ 2021። ኣየኖት ሕጊታት ከም ዝምልከቱኻ ንኽትፈልጥ፣ ኣብቲ መንበሪ ፍቓድ ክወሃበካ ምዃኑ ዝገልጽ ናይ IND ደብዳቤ (Beschikking) ተመልከት። እንተድኣ ኣብቲ ናይ IND ደብዳቤ ዝርከብ ዕለት 1 ጥሪ 2021 ወይ ድሕሪኡ ኮይኑ፣ ስርዓተ-ምውህሃድ 2021 እዩ ዝምልከተካ። እንተድኣ ኣብቲ ናይ IND ደብዳቤ ዝርከብ ዕለት ቅድሚ 1 ጥሪ 2022 ኮይኑ ድማ፣ ስርዓተ-ምውህሃድ 2013 እዩ ዝምልከተካ። ድዎ [DUO] ኣየናይ ስርዓት ምውህሃድን ሕጊታትን ከም ዝምልከቱኻ ዝጠቕስ ብዛዕባ ናይ ምውህሃድ ግዴታኻ ዝምልከት ደብዳቤ ክልእከልካ እዩ። ናትካ ማሕበራዊ ኣማኻሪ እውን ብዛዕባ እዚ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ስርዓተ-ምውህሃድ 2013

Inburgeringsstelsel 2013

እንተድኣ ኣብዚ ዘለዉ ሕጊታት ዝምልከቱኻ ኮይኖም፣ ቤት-ትምህርቲን ናይ ምውህሃድ ስልጠናን ንስኻ ባዕልኻ ክትመርጽ ኣለካ። ኣብ ከባቢኻ ዝርከቡ ኣብያተ-ትምህርቲ ኣብ ናይ Blik op Werk መርበብ-ሓበሬታ www.zoekinburgerschool.nl ብምውካስ ክትረኽቦም ትኽእል ኢኻ። Blik op Werk ንብቕዓት ናይ ምውህሃድ ኣብያተ-ትምህርቲ ዝልክዕ እዩ። ናይ Blik op Werk መለለዪ ብቕዓት ዘለዎ ናይ ምውህሃድ ስልጠናን ፈተናታትን፣ በቲ ካብ ድዎ [DUO] እትረኽቦ ልቓሕ ክትከፍሎም ትኽእል ኢኻ። ኣብ ውሽጢ እቲ ዝተዋህበካ ገደብ-ግዜ (መብዛሕትኡ ግዜ 3 ዓመት) ምውህሃድ ብዓወት እንተድኣ ወዲእካን፣ ናይ ስደተኛ መንበሪ ፍቓድ ምስ ዝህልወካን፣ ነቲ ልቓሕ ናብ ድዎ [DUO] ንኽትመልሶ ኣየድልየካን እዩ። ነቲ መግለጺ ተሳትፎ (PVT) ምስ እትፍርመሉን፣ ከምኡ እውን ናይ ምውህሃድ ፈተናታት (ደረጃ A2) ወይ Staatsexamen NT2 (ደረጃ B1 ወይ B2) ምስ እትሓልፍን፣ ምውህሃድ ብዓወት ዛዚምካ ማለት እዩ። ክፋላት ናይዞም ፈተናታት፣ ቋንቋ ኔዘርላንድ (ምንባብ፣ ምጽሓፍ፣ ምዝራብን ምስማዕን)፣ ኣፍልጦ ሕብረተሰብ ኔዘርላንድ (KNM)፣ ከምኡ እውን ሌላ ምስ ዕዳጋ ዕዮ ኔዘርላንድ (ONA) ዘጠቓልል እዩ። ብዛዕባ ስርዓተ-ምውህሃድ 2013 ዝምልከት ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ ድዎ [DUO] ክተንብብ ትኽእል ኢኻ። ሓበሬታ ንኽህበካ ንናትካ ማሕበራዊ ኣማኻሪ እውን ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።

ስርዓተ-ምውህሃድ 2021

Inburgeringsstelsel 2021

እንተድኣ ኣብዚ ዘለዉ ሕጊታት ዝምልከቱኻ ኮይኖም፣ ምምሕዳር ከተማ ምሳኻ ብሓባር ብምዃን ንዓኻ ዝሰማማዕ ናይ ምውህሃድ ስልጠና ኣየናይ ምዃኑ ክመርጽ እዩ። ናይ ስደተኛ መንበሪ ፍቓድ ምስ ዝህልወካ ድማ፣ ምምሕዳር ከተማ ነቲ ናይ ምውህሃድ ወጻኢ ክኸፍሎ እዩ። ምሳኻ ብዝሓሸ ንምልላይ ኸኣ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ናይ ቅበላ ዝርርብ ክህልወካ እዩ። ከምኡ እውን ማዕረ ክንደይ ቀልጢፍካ ክትመሃር ትኽእል ምዃንካ ንምግምጋም ፈተና እውን ክትወስድ ኢኻ። ኣየናይ ናይ ምውህሃድ መንገዲ ብዝበለጸ ንዓኻ ዝሰማማዕ ምዃኑ ንምግምጋም ድማ ምምሕዳር ከተማ ነዚ ሓበሬታ ይጥቐም። ሰለስተ መንገዲታት ኣለዉ፡ 1. B1-route፣ 2. onderwijsroute ከምኡ እውን 3. Z-route።  ውጽኢታት ናይ ቅበላን፣ ስምምዓትን ድማ ኣብ PIP፡ ውጥን ምውህሃድን ተሳትፎን ከምዝጸሓፉ ይግበር። ብዛዕባ ኣብቲ ውጥን ምውህሃድን ተሳትፎን [PIP] ዝርከቡ ስምምዓት ተጠራጢርካ ዲኻ? ብዛዕባ እዚ ምስ ናትካ ማሕበራዊ ኣማኻሪ ተዘራረብ። ነቲ መግለጺ ተሳትፎ (PVT) ምስ እትፍርመሉን፣ ከምኡ እውን ነቲ ናይ ምውህሃድ መንገዲ ምስ እትውድኦን፣ ምውህሃድ ብዓወት ዛዚምካ ማለት እዩ። ኣብ ልዕሊ ቋንቋ ኔዘርላንድ፣ ኣፍልጦ ሕብረተሰብ ኔዘርላንድ (KNM)፣ ከምኡ እውን ክፍለ-ስልጠና ዕዳጋ ዕዮን ተሳትፎን (MAP) ድማ ክትቕበል ኢኻ። ብዛዕባ ስርዓተ-ምውህሃድ 2021 ዝምልከት ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ ድዎ [DUO] ከተንብብ ትኽእል ኢኻ። ሓበሬታ ንኽህበካ ንናትካ ናይ ምምሕዳር ከተማ ተጸዋዒ-ሰብ ማለት ኮንታክትፐርሶን ወይ ማሕበራዊ ኣማኻሪ እውን ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።

ምልምማድ ቋንቋ ኔዘርላንድ

Nederlands oefenen

ብዙሕ ልምምድ ቋንቋ ኔዘርላንድ ክትገብር ኣገዳሲ እዩ። ምናልባት ኣስልጣኒ ቋንቋ ናይ VluchtelingenWerk ወይ ካልእ ተቕዋም ክግበረልካ ይኽእል እዩ? ቀጻሊ ናይ ቋንቋ ኔዘርላንድ ልምምድ ንምግባር ጎረባብቲ ወይ ኣዕሩኽ/መሓዙት ኣለዉኻ ድዮም? ወይ ወለንታዊ ስራሕ ክትሰርሕ ትኽእል ኢኻ፣ ብኸምዚ ድማ ናይ ስርሕ ተሞክሮ ከተዋህልልን፣ ቋንቋ ኔዘርላንድ ክትመሃርን ትኽእል። ባዕልኻ ቋንቋ ኔዘርላንድ ክትለማመድ ምስ እትደልይ እውን ብዙሓት ተኽእሎታት ኣለዉ፣ ከምዚኦም ዝስዕቡ ዝኣመሰሉ፡

ኣብያተ-መጻሕፍቲ

ኣብ ቤት-መጻሕፍቲ ቋንቋ ኔዘርላንድ ኣብ ኮምፒተር ክትለማመድ ወይ ካብኡ መጻሕፍቲ ክትልቓሕ ትኽእል ኢኻ። ምስ ሰባት ንኽትራኸብን፣ ኣብ ምውህሃድካ ኣበርክቶ ኣብ ዘለዎም ካልኦት ንጥፈታት ንኽትሳተፍን እውን ናብ ቤት-መጻሕፍቲ ክትከይድ ትኽእል ኢኻ። ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይቲ ቤት-መጻሕፍቲ ስልጠና ቋንቋን ኮምፒተርን፣ ከምበዓል Diglin+ ዝኣመሰሉ ልምምዳትን፣ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

Oefenen.nl

ብመንገዲ እዚ መርበብ-ሓበሬታ ብዙሓት ናይ ኢንተርነት ናይ ቋንቋ ትምህርቲታት ብዝተፈላለየ ደረጃታት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ፣ ከምበዓል Taalklas.nl, het Leesplankje en Lees en schrijf! Zoek op ‘Ik wil oefenen met’ → Taal።

NT2 Taalmenu

እዚ ካብ ደረጃ A1 ጀሚርካ ልምምድ ክትገብረሉ እትኽእል መርበብ-ሓበሬታ እዩ።

Future learn

ዩኒቨርሲቲ ኽሮኒንገን፣ ብመንገዲ Future Learn ኣብ ዓመት ንብርክት ዝበለ ግዜታት ልዑል ትምህርቲ ንዘለዎም ሰባት፣ ብኢንተርነት ትምህርቲ ቋንቋ ኔዘርላንድ ይህብ እዩ።

Net in Nederland

ኣብ መርበብ-ሓበሬታ www.netinnederland.nl፣ ብቋንቋታት ኔዘርላንድ፣ እንግሊዝ ወይ ዓረብ ጽሑፋዊ መግለጺ ዘለዎም ቪድዮታት ኣለዉ። ኣብኡ ዜናን ካልኦት መዳባት ተሌቪዥንን፣ ከምኡ እውን ብዛዕባ ብዙሓት ዛዕባታት ዝምልከቱ ፊልምታትን ክትርእይ ትኽእል ኢኻ።

ተራ ናይ VluchtelingenWerk

Rol van VluchtelingenWerk

ብዛዕባ ናትካ ምውህሃድ ዝምልከቱ ሕቶታት ኣለዉኻ ድዮም? ምስዝህልዉኻ፣ ንናትካ ናይ VluchtelingenWerk ተጸዋዒ-ሰብ ማለት ኮንታክትፐርሶን ሕተት። ንሕና ብዛዕባ ናይ ምውህሃድ ግዴታ ዝምልከት ሓበሬታ ክንህበካን፣ ቋንቋ ኔዘርላንድ ንኽትመሃር ዘለዉኻ ተኽእሎታት ብዝምልከት ኣብ ምሕሳብ ክንሕግዘካን ንኽእል ኢና።

.