መንበሪ ቤት

መንበሪ-ፍቕድ ምስተዋሃብካ ናብ ምምሕዳር ክትግዕዝ ትኽእል።  ኣበየናይ ምምሕዳር ከም ትቕመጥ መንግስቲ እዩ ዝውስኖ። እዚ ምምሕዳር መንበሪ-ቤት ከም ትረክብ ይገብር ከምኡውን ናትካ ኩነታት ኣብ ግምት ከእቱ ይፍትን። ነዚ ዝተዋህበካ መንበሪ-ቤት ክትነጽጎ ኣይፍቀደካን እዩ ምኽንያቱ ካልእ መንበሪ-ቤት ስለዘይወሃበካ።  
placeholder

 

ናይ ክራይ-ውዕል ምስፈረምካ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ኣብ ምምሕዳር ክትምዝገብ ኣገዳሲ እዩ። ድሕሪኡ ኢኻ ናይ መንበሪ ገንዘባዊ ሓገዝ ክትወሃብ ትኽእል። መብዛሕቱ ግዜ ነዚ ንምስላጥ ዝሕግዘካ ሰብ ኣሎ፡ ከም ተሓጋጋዛይ ናይ ማሕበር ተሓጋገዝቲ ስደተኛታት፡ ካልእ ማሕበር ወይ ድማ ምምሕዳር።

ገዛኻ ምፍራሽ

ናይ መጀመርያ ገዛኻ ንምፍራሽ መብዛሕተን ምምሕዳራት ለቓሕ ይሃባኻ። ብዝሒ ገንዘብ ካብ ምምሕዳር ናብ ምምሕዳር ክፈላለ ይኽእል። ኣብ ናይ ካልኣይ ኢድ ድዃን ብውሑድ ገንዘብ ብዙሕ ኣቑሑትን ኣርማድዮታትን ክትገዝእ ትኽእል።

ቀዋሚ ወጻኢታት ናይ መንበሪ-ቤት

ገዛ ምስ ትካረ ኣቐዲምካ ወርሓዊ ክራይ ገዛ ክትከፍል ኣለካ፡ እዚ ማለት ቅድሚ እታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ናይቲ ወርሒ።  ኣብ ገለ ምምሕዳራት ንመኽፈሊ ናይ ቀዳመይቲ ወርሒ ክራይ ክትልቃሕ ትኽእል። ከምኡውን እቶትካ ውሑድ እንተኾነ ሞ እቲ ዝተኻረኻዮ መንበሪ-ቤት ርእሱ ዝኸኣለ እንተኾነ ናይ ገዛ ካርይ ገንዘባዊ ሓገዝ ክትወሃብ ትኽእል። ብዛዕባ እዚ ዝምልከት ገጽ እቶትን ስራሕን ተመልከት ንጋዝን ኤለክትሪክን ምስቶም ጸዓት ዝዝርግሑ ትካል ውዕል ክትኣቱ ኣለካ። ንማይ ግን (ከምኡውን መውዓዪ ከተማ ኣብ ክንዲ ጋዝ) ምርጫ የብልካን፡ ስለዚ ኣብታ ኣብ መንበሪ-ቤትካ ማይ ትዝርግሕ ትካል ከትመልክት ኣለካ። ን ተለቪጅን፡ ተለፎንን ናይ ኢንተርነት መስመርን ግን እኹል ምርጫ ኣለካ። ንኽትመርጽ ዘድልየካ ሓገዝ ንናይ ማሕበር ተሓጋገዝቲ ስደተኛታት ተሓጋጋዚኻ ሓገዝ ሕተት። ካልኦት ቀወምቲ ወጻኢታት ዓመታዊ ዝኽፈል ናይ ምምሕዳር ቀረጽን ናይ ማይ መጻረይ ቀረጽን እዮም። እኹል እቶት እንተዳኣ ዘይብልካ ኮይኑ ነዞም ዝተጠቕሱ ቀረጻት ምሕረት ክትሓትት ትኽእል።

 

ደብዳቤታት  ምስራዕ

ናይ'ቶም ብኢሜይል ዝመጹኻ ኣገደስቲ መልእኽትታት፡ ዲጂታላውያን ፋክቱራት ኮነ መወዓውዒ (ሬክላም) ብኸመይ ኣገባብ እኹል ርድኢት ክህልወካ ይኽእል?
ኣብ’ዛ ፊልም፡ ዝኽፈሉ ነገራት ኣብ እዋኑ መታን ክትከፍል ብ ኦን ላይን ብኸመይ ኣገባብ ደብዳቤታትካ ክትስርዕ ከምትኽእልን ትሕዝቶ ናይ ኢሜይል ዘይተረድኣካ እንተኾይኑ ድማ ብኸመይ ኣገባብ ሓገዝ ክትሓትት ከምትኽእልን ከነብርሃልካ ኢና።

መዳናገርቲ ኤሜይላትን ማሕበራዊ ሜድያ ተጠቒምካ ዝግበር ቅጥፈትን

ናይ ሓሶት መልእኽቲ ብኤሜይል ብምልኣኽ ወይ ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ብምልጣፍ፡ ገበነኛታት ናይ ባንክ ሕሳብካ ክቆጻጸሩ ክፍትኑ ወይ ድማ ገንዘብ ስደድ ክብሉኻ ይኽእሉ።
ኣብ'ዛ ፊልም፡ ነቶም ከምኡ ዝኣመሰሉ ናይ ሓሶት ኢሜይላት ብኸመይ ኣገባብ ከተለልዮም ከምትኽእልን ከምኡ'ውን ሰባት ንኣብነት ብመንገዲ "ዋትስ ኣፕ" ገንዘብ ስደድ ምስ ዝብሉኻ እንታይ ከተስተውዕለሉ ዘለካ ነገር ከምዘሎን ክትዕዘብ ኢኻ።

ናይ ምቑጣብ ምኽርታት

ገንዘብ ዝሓጸረካ እዋናት ኣሎ ዶ? ኣታዊኻ ምስ ዝቕየር ወይ ድማ ብሓንሳብ ብዙሕ ወጻኢታት ምስ ዝህልወካ፡ ንኽትቁጥብ እንታይ ክትገብር ከምዘለካ ምፍላጥ ሓጋዚ እዩ።
ኣብ'ዛ ፊልም፡ ነዚ ዝምልከት ምኽርታት ክንህበካ ኢና።

ልዑል ዋጋታት ጸዓት

ዋጋታት ጋዝን ኤሌክትሪክን ንገለ እዋን ድሮ ኣዝዩ ልዑል ኮይኑ ጸኒሑ ኣሎ። ስለዚ ድማ ብዙሓት ትካላት ጸዓት፣ ነቲ ንጸዓት ዝኽፈል ወርሓዊ ሕሳብ ክፍሊት ድሮ ክብ ኣቢሎሞ ኣለዉ። እዚ ኣቐዲምካ ዝኽፈል ሕሳብ እንተድኣ ገና ዘይወሰኸ ኣሎ ኾይኑ፣ ዓመታዊ ጸብጻብ ሕሳብ ኣብ ዝግበረሉ እዋን ምናልባት ኣዝዩ ብዙሕ ክትከፍሎ ዘለካ መመላእታ ክፍሊት ክህልወካ ማለት እዩ።

ብሰንኪ ልዑል ዝኾኑ ዋጋታት ጸዓት ብዙሓት ነበርቲ ኣባይቲ ኣብ ጸገም ምእንቲ ከይኣትዉ ንምውጋድ፣ መንግስቲ ንናይ ጸዓት ግብሪ ንግዚኡ ቀኒስዎ ኣሎ። ትሑት ኣታዊ ንዘለዎም ሰባት ንሓደ ግዜ ዝወሃብ ገንዘባዊ ደገፍ እውን ክህሉው እዩ።
እንተኾነ ግን እዚኦም ስጉምቲታት ክልቲኦም፣ ነቲ ወሰኽ ወጻኢታት ጸዓት ምሉእ ብምሉእ ከምዝከሓስ ንምግባር ምናልባት እኹላት ኣይኮኑን።

እትኸፍሎ ናይ ጸዓት ወጻኢታትካ ብዙሕ ከምዘይውስኽ ንምግባር ንስኻ ባዕልኻ ከምዚ ዝስዕብ ክትገብር ትኽእል፡

  • ሓድሽ ናይ ጸዓት ውዕል ክትኣቱው ዘለካ እንተድኣ ኮይንካ፣ ሕጂ መጀመርታ ተዓጻጻፊ ውዕል ግበር፣ ስለዚ ድማ ናይ 3 ወይ 4 ዓመት ውዕል ኣይትግበር።
  • ኣብዚ ፊልም እቲ ወርሓዊ ኣቐዲምካ ዝኽፈል ናይ ጸዓት ሕሳብን፣ ዓመታዊ ጸብጻብ ሕሳብን ዝምልከት መብርሂ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ።
  • ከምኡ እውን ኣብዚ ፊልም ብዛዕባ ምቚጣብ፣ ገለ ካብኡ ጸዓት ብኸመይ ከየባኸንካ ክትጥቐም ከም እትኽእል ዝምልከቱ ምኽሪታት ክትረክብ ኢኻ።

ኮይኑ ግን ኣብ ምኽፋል (ናይ ጸዓት) ሕሳባትካ ጸገማት ምስዘጋጥመካ፣ ካብ VluchtelingenWerk ወይ ካብ ምምሕዳር ከተማ ሓገዝ ሕተት።

ናይ ዜጋ መለለይ ቁጽሪ(ቤ.ኤስ.ኤን)

መንበሪ-ፍቕድ  ምስተዋሃብካ ኣብ ክብሪ መዝገብ ክትምዝገብ ኣለካ። ኮዋ (COA) እዚ ምዝገባ መዓስን ኣበይን ከምዝፍጸም ክሕብረካ ይኽእል።ድሕሪ ምምዝጋብካ ናይ ዜጋ መለለይ ቁጽሪ (ቤ.ኤስ.ኤን) ይወሃበካ።   ናይ ዜጋ መለለይ ቁጽሪ (ቤ.ኤስ.ኤን) ፍሉይ ቁጽሪ ኮይኑ ምስ መንግስቲ ንትገብሮ ርኽክባት ዘድልየካ ቁጽሪ እዩ።

ዲ.ኺ.ደይ ምሕታት

ምስ መንግስቲ ዘሎ ርኽክባት ብኢንተርነት እንዳኾነ ይኸይድ ኣሎ። ዝተፈላለዩ ዝሕተቱ ጉዳያት ኣብ ወብሳይት ኣቲኻ እዮም ዝሕተቱ፡ ደብዳቤታት ናብ ገዛኻ ዝስደድ ዝነበረ ተሪፉ ኣብ ክንዲዚ ናብ ዲጂታል (ብኢንተርነት) ናይ ፖስታ ሳንዱቕ ይስደድ። መብዛሕቱ ግዜ ነዚ ብኢንተርነት ዝሳለጥ/ዝረአ ጉዳያት ዲ.ኺ.ደይ የድልየካ። ዲ.ኺ.ደይ ብናይ ውልቂ ተጠቃማይ ሽምን መእተዊ ምስጢራዊ ኮድን ዝቖመ እዩ። COA ኮዋ ወይ ድማ ናይ ማሕበር ስደተኛታት ተሓጋጋዚኻ ዲ.ኺ.ደይ ንኽትሓትት ክሕግዘካ ይኽእል። ወይ ድማ እዚ ባዕልኻ ክትገብሮ ትኽእል ናብ  https://digid.nl/ ብምኻድ ክትሕትት ትኽእል። እታ ምስጢራዊ ኮድ ናይ ዲ.ኺ.ደይ ብሓንጎልካ ክትዝክራ ኣገዳሲ እዩ። እዛ ምስጢራዊት ኮድ ናይ ውልቅኻ እያ ስለዚ ንካልእ ሰብ ኣይትሃብ። ንዝያዳ ሓበሬታ ብዛዕባ ዲ.ኺ.ደይ ኣብዛ ኣብ ታሕቲ ናይዚ ገጽ ዘላ ሊንክ ጠውቕ።  ኣጠቓቕማ ናይ ኢንተርነት ዘጸግመካ እንተኾነ ወይ ድማ ርእስኻ ክኢልካ ዲጂታል ናይ ፖስታ ሳንዱቕ ከምኡውን ወብሳይትታት ናይ መንግስቲ  ክትጥቀም እንተደለኻ ኣብ ብዙሓት ቤት-ንባብ ሓጺር ትምህርቲ ክትወስድ ትኽእል። ኩሉ ብዛዕባ ዲ.ኺ.ደይ  ብ ነዘርላንድስ፡ እንግሊዝ፡ ፈረንሳን ዓረብን።

ተራ ናይ ማሕበር ተሓጋገዝቲ ስደተኛታት

  • ናይ ማሕበር ተሓጋገዝቲ ስደተኛታት ተሓጋጋዚኻ ቅድሚ ካብ መዓስከር ስደተኛታት ናብ መንበሪ-ቤትካ ምግዓዝካ ውን ከይተረፈ ብዛዕባ ብዙሓት ዘድልዩኻ ነገራት ክሕግዘካ ይኽእል። ምስገዓዝካ ናብቲ ትቕመጠሉ ምምሕዳር ዘለዉ ተሓጋገዝቲ ናይ ማሕበር ተሓጋገዝቲ ስደተኛታት ክትከይድ ትኽእል። ማሕበር ተሓጋገዝቲ ስደተኛታት ኣብዚ ትቕመጠሉ ቦታ ዘይለዉ እንተኾነ ካልእ ማሕበር ወይ ድማ ምምሕዳር ባዕሉ ክሕግዘካ እዩ።
  • ካብታ ቀዳመይቲ መንበሪ-ቤትካ ናብ ካልእ መንበሪ-ቤት ክትግዕዝ እንተደለኻ ባዕልኻ ካልእ መንበሪ-ቤት ክትፍትሽ ኣለካ። መብዛሕቱ ግዜ ኣብዚ ጉዳይ ሓገዝ ኣይንህብን ኢና። ንምግዓዝ ዘደልየካ ነገራት ዝሕብር ሊስታ ግን ክንህበካ ንኽእል። እዚ ሊስታ እዚ ኣብ ምግዓዝ ክሳለጥ ዘለዎ ነገራት ዝሓዘ እዩ።