መስርሕ ዑቕባ

ከም ስደተኛ መጠን ኣብ ኔዘርላንድ ድሕነት ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ነዚ ንምርካብ ድማ ዕቚባ ከተመልክት ኣለካ። ኣብ እዋን መስርሕ ዕቚባ (ብቋንቋ ኔዘርላንድስ: asielprocedure)፣ ንስኻ ብመስረት ውዕል ስደተኛታትን፣ ብመሰረት ዓንቀጽ 3 ናይ ኤውሮጳ ውዕል ሰብኣዊ መሰላትን ስደተኛ ምዃንካን ዘይምዃንካን ንምግምጋም፣ ቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ኢሚግረሽንን ዜግነትን [Immigratie- en Naturalisatiedienst- IND] ንመንግስቲ ኔዘርላንድ ብምውካል መርመራ ይገብር።
placeholder

ኣስተውዕሉ!

ኣብዚ እዋን ኣብ ማእከላት መዕቆቢ ስደተኛታት ዝርከቡ ኣብያተ ጽሕፈት ቤት-ምኽሪ ስደተኛታት [VluchtelingenWerk] ጻዕቂ ስራሕ ኣሎ። በዚ ምኽንያት ንዓኹም ንምሕጋዝ ቅድሚ ምጅማርና፣ ዝያዳ ግዜ ክወስድ ይኽእል እዩ። ነዚ ኩነት እዚ ንኽትርድኡልና ንሕና ብትሕትና ንሓትት።

VluchtelingenWerk እንታይ ይገብር?

VluchtelingenWerk ነፍስወከፍ ናይ ዕቚባ መስርሕ ብጥንቓቀ ክካየድ ኣለዎ ኢሉ ይኣምን። ስለዚ ኸኣ ሰራሕተኛታት ናይ VluchtelingenWerk፣ ኣብ እዋን እቶም ዝተፈላለዩ ስጉምቲታት ንዓኻ ይሕግዙኻ፡

  • ንሕና ብዛዕባ ናይ ዕቚባ መስርሕ መብርሂ ንህብ፣ ምእንቲ እቲ መስርሕ ዕቚባ ብኸመይ ከምዝካየድ፣ ኣየኖት ውድባት ኣብኡ ከምዝሳተፉን፣ ካባኻ እንታይ ትጽቢት ከምዝግበርን ምእንቲ ክትፈልጥ።
  • ንሕና ብዛዕባ እቶም ደብዳቤታት ናይ INDን ጠበቓኻን መብርሂ ንህብ።
  • ንሕና ናይ ስደት ታሪኽኻ ኣብ ምድራዕ ክንሕግዘካ ንኽእል። ንኣብነት ኣገዳስነት ዘለዎም ሰነዳት ናብ ኔዘርላንድ ከምዝለኣኽ ኣብ ምግባር ክንሕግዘካ ንኽእል። ኣብዚ ኣብዚ ገጽ ተወሳኺ ኣንብብ።
  • ብናትካ ወይ ብናይ ጠበቓኻ ጠለብ፣ ሓደ ኣባል ናይ VluchtelingenWerk ንዓኻ ንምሕጋዝ ኣብ ናትካ ቃለ-መሕትታት ክርከብ ይኽእል እዩ፣ ታሪኽካ ንምንጋር እኹል ዕድል ከምዝዋሃበካ ንምርግጋጽ።
  • ንሕና እትፈልጦም ሰባት ወይ ኣባላት ስድራኻ ኣብ ምድላይ ንሕግዘካ።

VluchtelingenWerk እንታይ ኣይገብርን?

ኣብ ማእከል መዕቆቢ ስደተኛታት ኣብ እትጸንሓሉ እዋን፣ ንሕና ብዛዕባ እዞም ዝስዕቡ ክንሕግዘካ ኣይንኽእልን ኢና፡

  • ካብ ናይ ዕቚባ መስርሕ፣ ምጥርናፍ ስድራ-ቤትን ምናልባት ክህሉው ዝኽእል ምምላስን ወጻኢ፣ ኣብ ካልኦት ጉዳያት ንሕና ክንሕግዘካ ኣይንኽእልን ኢና።
  • እዚ ማለት ንሕና መብዛሕትኡ እዋን ካልኦት ዓይነታት መንበሪ ፍቓድ ኣብ ምምልካት ክንሕግዝ ኣይንኽእልን ኢና፣ ንኣብነት ምስ ሓዲሽ መጻምድቲ ኣብ ኔዘርላንድ ንምንባር።
  • ከምኡ እውን ብዛዕባ ገንዘባዊ መቕጻዕቲታት፣ ፍትሕ፣ ምንዋሕ ሰነዳት መንበሪ ወይ ምምልካት ዲ.ኸይ.ደይ [DigiD] ወይ መንግስታዊ ገንዘባዊ ደገፍ መዕበይ ቆልዑት ብዝምልከት ንሕና ኣይንሕግዝን ኢና።
  •  መብዛሕትኡ እዋን ንሕና ናብ ሓኪም ወይ ኤምባሲ ምሳኻ ክንጓዓዝ ኣይንኽእልን ኢና።

ንዓኻ ክሕግዙኻ ናብ ዝኽእሉ ማሕበራት ኣብ ምትሕልላፍ ግን ሰራሕተኛታት VluchtelingenWerk ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። ወይ ነዚ ባዕልኻ ምእንቲ ከተዋድዶ ሓበሬታ ንህበካ።

መስርሕ ዑቕባ

 

እዚ ፊልም ንናይ ኔዘርላንድ መስርሕ ዕቚባ ዝገልጽ እዩ።

ኣብ ትሕቲ ዝተወሰኑ ቅድመ-ኩነታት፣ ኣብ ኔዘርላንድ ናይ ዕቚባ መንበሪ ፍቓድ ክትወሃብ ትኽእል ኢኻ፡

  • ብምኽንያት ዓሌትካ፣ ሃይማኖካ፣ ዜግነትካ፣ ፖለቲካዊ ኣረኣእያኻ ወይ ኣባል ናይ ሓደ ዝተወሰነ ማሕበራዊ ጒጅለ ብምዃንካ፣ ግፍዒ ከየጋጥመካ ትፈርሕ እንተድኣ ኮይንካ።
  • ካብ ናይ ሞት መቕጻዕቲ፣ ምስቓይ ወይ ካልእ ዘይሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ከየጋጥመካ ትፈርሕ እንተድኣ ኮይንካ።
  • ኣብ መበቆል ሃገርካ ብሰንኪ ዕጥቓዊ ግርጭት፣ ግዳይ ናይ ጃምላዊ ጎነጽ ከይትኸውን ትፈርሕ እንተድኣ ኮይንካ።
  • ኣብ መበቆል ሃገርካ ብሰንኪ ዘጋጠመ ፍጻመ፣ ንኣእምሮ ዘሰንብድ ተሞክሮ ምስዘጋጥመካ።

ኣስተውዕል! ጠለብ-ዱብሊን [Dublin]፣ ናይ ዕቚባ መንበሪ ፍቓድ ኣብ ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ወይ ካብ ካልእ ውሑስ ሃገር

ቅድሚ ናብ ኔዘርላንድ ምምጻእካ፣ ኣብ ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር በጺሕካ ነይርካ ዲኻ፣ ወይ ናይ ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ቪዛ ኣለካ ድዩ? ስለዚ እቲ ብዛዕባ ናይ ኔዘርላንድ መስርሕ ዕቚባ ዝምልከት ሓበሬታ ንዓኻ ኣይምልከተካን እዩ።

ናብቲ ኩሎም ብዛዕባ መስርሕ ዕቚባ ዝምልከቱ ሓበሬታዊ-ጽሑፋት ዝርከብሉ ገጽ ኪድ፣ ከምኡ እውን ኣብቲ "ናይ ዕቚባ ሕቶኹም ብዝምልከት ሓላፍነት ዘለዋ ሃገር ኣየነይቲ እያ?” ዝብል ሓበሬታዊ-ጽሑፍ ተወከስ። ንኹሎም ብዛዕባ መስርሕ ዕቚባ ዝምልከቱ ሓበሬታዊ-ጽሑፋት፣ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ኣብዚ ገጽ ክትረኽቦም ትኽእል ኢኻ።

ብመንግስቲ ኔዘርላንድ ከም ውሕስቲ ሃገር ካብ እትፍለጥ ሃገር ዲኻ መጺእካ ወይ ናይ ካልእ ኤውሮጳዊት ሃገር ናይ ዕቚባ መንበሪ ፍቓድ ኣለካ ድዩ? ስለዚ ናትካ መስርሕ ዕቚባ ብዝቐልጠፈ ኣገባብ ክምስራሕ እዩ። ናብቲ ኩሎም ብዛዕባ መስርሕ ዕቚባ ዝምልከቱ ሓበሬታዊ-ጽሑፋት ዝርከብሉ ገጽ ኪድ፣ ከምኡ እውን ኣብቲ "ዝቐለለ መስርሕ ዕቚባ" ዝብል ሓበሬታዊ-ጽሑፍ ተወከስ። ንኹሎም ብዛዕባ መስርሕ ዕቚባ ዝምልከቱ ሓበሬታዊ-ጽሑፋት፣ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ኣብዚ ገጽ ክትረኽቦም ትኽእል ኢኻ።

ዝርዝር ናይተን ውሑሳት ዝኾና ኣብዚ ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። (https://www.rijksoverheid.nl/onderwerpen/asielbeleid/vraag-en-antwoord/lijst-van-veilige-landen-van-herkomst)

ዑቕባ ኣበይ ኢኻ ትሓትት?

እንተድኣ ናብ ኔዘርላንድ ብመሬት ኮይንካ ኣቲኻ፣ ከምኡ እውን ዕቚባ ንኽትረክብ ከተመልክት ምስእትደልይ፣ ናብ ተርኣፐል [Ter Apel] ክትከይድ ኣለካ። ናብ ተርኣፐል ንምኻድ፣ ኣብ ብምሉኡ ኔዘርላንድ ካብ ፖሊስ ናይ መጎዓዝያ ትኬት (ንምሉእ መዓልቲ ዘገልግል ካርድ ህዝባዊ መጎዓዝያ) ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። እንተድኣ ብማዕርፎ ነፈርቲ ስኺፖል [Schiphol] ወይ ብናይ ኔዘርላንድ ወደብ ባሕሪ ኮይንካ ኣቲኻ፣ ናብ ወተሃደራዊ-ፖሊስ ንግስነት ኔዘርላንድ (Koninklijke Marechaussee) ኣመልክት። ብድሕሪ እዚ ናብ ዕጹው መዕቆቢ ቦታ (Justitieel Complex Schiphol) ክትውሰድ ኢኻ። ናብቲ ኩሎም ብዛዕባ መስርሕ ዕቚባ ዝምልከቱ ሓበሬታዊ-ጽሑፋት ዝርከብሉ ገጽ ኪድ፣ ከምኡ እውን ኣብቲ "ናይ ዕቚባ ሕቶኹም። ሓበሬታ ብዛዕባ መስርሕ ዶብ" ዝብል ሓበሬታዊ-ጽሑፍ ተወከስ። ንኹሎም ብዛዕባ መስርሕ ዕቚባ ዝምልከቱ ሓበሬታዊ-ጽሑፋት፣ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ኣብዚ ገጽ ክትረኽቦም ትኽእል ኢኻ።

ናብ ኔዘርላንድ ድሕሪ ምምጻእካ፡ መድረኽ-ምዝገባ

ዕቚባ ንኽትረክብ ድሕሪ ምምልካትካ፣ እቲ መድረኽ-ምዝገባ ይጅምር። እዚ መድረኽ-ምዝገባ መብዛሕትኡ ግዜ 3 መዓልታት ይወስድ። ሓደ ሓደ ግዜ ንኣብነት ጻዕቂ ስራሕ እንተድኣ ኣሎ ኮይኑ ገለ ንውሕ ዝበለ ግዜ ይወስድ እዩ።

ኣብ እዋን መድረኽ-ምዝገባ፣ ቅጥዒ-ምዝገባ ክትመልእ ኢኻ። በዚ ቅጥዒ እዚ ኣቢሉ ቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ኢሚግረሽንን ዜግነትን [IND] ብዛዕባኻ ኣገዳሲ ሓበሬታ ይረክብ። ንኣብነት ብዛዕባ መንበሪ ቦታኻ፣ ስድራ-ቤትካን ጕዕዞኻን ዝምልከቱ ሕቶታት ኣለዉ። ስለምንታይ ዕቚባ ትሓትት ከምዘለኻ ንዝብል ሕቶ እውን ኣሕጽር ኣቢልካ ክትምልሶ ኣለካ። ቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ኢሚግረሽንን ዜግነትን [IND]፣ ነዚ ሓበሬታ ተጠቒሙ መስርሕ ዕቚባኻ ብኸመይ ከም ዝቕጽል ይግምግም።

ብምቕጻል ውልቃዊ ሓበሬታታትካ ክምዝገቡ እዮም። ስእልኻ ይለዓልን፣ ዓሸራ ኣሰር ኣጻብትኻ ይውሰድን፣ ከምኡ እውን ሳንጣኻን ክዳውንትኻን ክፍተሽ እዩ። ተሌፎንካ እውን ክትውሰድን ክትምርመርን እያ። እዚኣቶም ብዝተኻእለ መጠን ብዝቐልጠፈ እንደገና ተመሊሶም ክወሃቡኻ እዮም።

ኣብ መወዳእታ፣ ምስ ቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ኢሚግረሽንን ዜግነትን [IND] ቀዳማይ ዝርርብ ማለት ናይ ምዝገባ ቃለ-መሕትት ክህልወካ እዩ። ሰራሕተኛ ቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ኢሚግረሽንን ዜግነትን፣ ብዛዕባ መንበሪ ቦታኻ፣ ስድራ-ቤትካ፣ ሰነዳትካን፣ ናብ ኔዘርላንድ ዝገበርካዮ ጒዕዞን ዘጠቓልሉ ሕቶታት ክሓተካ እዩ። እቶም እትህቦም መልሲታት ኣገደስቲ እዮም፣ ስለዚ ብምሉእን ብልክዕን መልስ። ከምኡ እውን ንምንታይ ኣብ ኔዘርላንድ ዕቕባ ከምዘመልከትካ ኣሕጽር ኣቢልካ ክትነግር ኣለካ። ቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ኢሚግረሽንን ዜግነትን [IND] ብዛዕባ እዚ ዝምልከቱ ተወሰኽቲ ሕቶታት ክሓተካ ኣይኮነን ዕላምኡ። ቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ኢሚግረሽንን ዜግነትን፣ ነዚኦም ሓበሬታታት ቅኑዕ መስርሕ ንምውጣን ጥራይ እዩ ዝጥቐመሎም።

ምኽሪ፡
ኣብ ኩሎም እቶም ምስ ቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ኢሚግረሽንን ዜግነትን [IND]፣ ምስ ሰራሕተኛታት VluchtelingenWerk፣ ከምኡ እውን ምስ ጠበቓኻ እትገብሮም ዝርርባት፣ ሓደ ገለልተኛ ማለት ነጻ ዝኾነ ኣተርጓሚ ንኽሕግዝ ይጽዋዕ እዩ። እንተድኣ ነቲ ኣተርጓሚ ብግቡእ ክትርድኦ ዘይከኣልካ፣ ወይ እቲ ኣተርጓሚ ንዓኻ ዘይርድኣካ ምህላዉ እንተድኣ ኣስተውዒልካ፣ ወይ ንታሪኽካ ብግቡእ እንተድኣ ዘይተርጎመልካ፣ ብዛዕባ እዚ ብቐጥታ ኣብዚ ዝርርብ ሓብር።

ናይ መስርሕ ዕቚባኻ ቅድመ-ምድላዋት ምግባር

ድሕሪ መድረኽ-ምዝገባ፣ እቲ ናይ ዕረፍትን ምድላውን ግዜ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ይጅምር። እዚ ከባቢ ሽዱሽተ መዓልታት ይወስድ፣ እንተኾነ ግን ካብኡ ዝነውሕ ግዜ ክወስድ እውን ይኽእል እዩ። ኣብቲ መዕቆቢ ቦታ፣ ብዛዕባ እቲ ሽዕኡ ዘሎ ኣገባብ ኣሰራርሓ ክንገረካ እዩ። ብዝኾነ ናይ ጥዕና ቊጽጽር ክግበረልካ እዩ። ቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ኢሚግረሽንን ዜግነትን [IND]፣ ነዚ ናይ ጥዕና ቊጽጽር፣ እቶም ዝርርባት ኣብ ዝግበርሉ እዋን ብግቡእ ክትገልጽ ትኽእል ምዃንካን ዘይምዃንካን ንምግምጋም ይጥቐመሉ። ብምቕጻል ሰራሕተኛታት ናይ VluchtelingenWerk፣ ብዛዕባ እቶም ኣብ እዋን መስርሕ ዕቚባኻ እትሓልፎም ዝስዕቡ ስጒምቲታት ክሕብሩኻ እዮም። ኣብ መወዳእታ ምስ ጠበቓኻ ክትላለይ ኢኻ። እንተድኣ ኣብ ማዕከል መዕቆቢ ስደተኛታት (AZC) ኮይንካ እትጸንሕ፣ እቲ ምስ ጠበቓ ዘለካ ናይ መጀመርታ ርክብ ኣብ ቤት-ጽሕፈቱ/ታ እዩ ክግበር። ናብ ጠበቓኻ ንምኻድ ናይ መጓዓዝያ ትኬት ክወሃበካ እዩ። እቲ ጠበቓ ኣብ እዋን መስርሕ ዕቚባኻ ክመርሓካ እዩ፣ ከምኡ እውን ብዛዕባ እቲ ተወሳኺ ቃለ-መሕትት ቅድመ-ምድላዋት ንኽትገብር ክሕግዘካ እዩ። ብዛዕባ እቲ ናይ ምዝገባ ቃለ-መሕትት ብዝምልከት እውን ምስ ጠበቓኻ ክትዘራረብ ኢኻ፣ ምናልባት ጌጋታት ከይህልዎ ወይ ክትምልኣሉ እትደልዮ ነገር ከይህሉው ምእንቲ። ጠበቓ ብመንግስቲ እዩ ዝምደበልካ፣ እንተኾነ ግን ንሱ ወይ ንሳ ገለልተኛ እዩ/ያ። ሰራሕተኛታት ናይ VluchtelingenWerk እውን ገለልተኛ እዮም።

ምኽሪ፡
ንዘመልከትካዮ ዕቚባ፣ ንመንነትካ፣ ዜግነትካን መንገዲ ጒዕዞኻን ክድግፉ ዝኽእሉ ኣየኖት ሰነዳት ካብ መበቆል ሃገርካ ከተምጽእ ከምእትኽእል ብዝምልከት ምስ VluchtelingenWerk ወይ ምስ ጠበቓኻ ተዘራረብ።

ምጅማር ናይ ዑቕባ መስርሕ

ድሕሪ ናይ ዕረፍትን ምድላውን ግዜ እቲ መስርሕ ዕቚባኻ ይጅምር። እቲ ናይ መንግስቲ ወሃቢ ኣገልግሎት ዝኾነ IND፣ ናይ ዕቚባ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ፣ ንስኻ ነቲኦም ቅድመ-ኩነታት ተማልእ ምዃንካን ዘይምዃንካን ወይ መርመራ ንምግባር ተወሳኺ ግዜ ዘድልይ ምዃኑን ዘይምዃኑን ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ወይ ትሽዓተ መዓልታት ክግምግም እዩ። ኣብዚ ታሕቲ እቲ መስርሕ ዕቚባ ብኸመይ ከምዝካየድ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ።

1ይ መዓልቲ፡ ተወሳኺ ቃለ-መሕትት

እቲ ምስ ሰራሕተኛ ቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ኢሚግረሽንን ዜግነትን [IND] ዝህልወካ ካልኣይ ቃለ-መሕትት፣ "ተወሳኺ ቃለ-መሕትት" ተባሂሉ ይጽዋዕ። እዚ ኣገዳሲ ዝኾነ ቃለ-መሕትት እዩ፣ ምኽንያቱ ንስደት ዝሃደምካሉ ምኽንያት እንታይ ምዃኑ ሕጂ ብሰፊሑ ክትነግር ትኽእል ስለዝኾንካ። ምስቲ ንስደት መህደሚኻ ምኽንያት ዝተሓሓዙ በሰላታት፣ ኣእምሮኣዊ ወይ ኣካላዊ ጸገማት ኣለዉኻ እንተኾይኖም፣ ብዛዕባ እዚ ነቲ ሰራሕተኛ ናይ ቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ዜግነትን ኢሚግረሽንን [IND] ክትነግሮ ኣገዳሲ እዩ። ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመካ ነገራት ብዝምልከት፣ ቅኑዕ፣ ምሉእን ንጹርን ኩን።
ኣብ እዋን መስርሕ ዕቚባ፣ ታሪኽ ናይ ኩሎም ኣባላት ስድራ ክትነግር ኣገዳሲ እዩ። ታሪኽ ናይ ቆልዑት እውን፣ ናይ ባዕሎም ንስደት ዝሃደምሉ ምኽንያታት ምስዝህልዎም። ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ፣  ብሓባር ናይ ዝተጓዕዙ ቆልዑት ርእሶም ዝኸኣሉ ናይ ዕቚባ ምኽንያታት ዝብል ሓበሬታዊ-ጽሑፍ ኣንብብ።

2ይ መዓልቲ: ምይይጥ ብዛዕባ ተወሳኺ ቃለ-መሕትት

ምስ ጠበቓኻ ብሓባር ብምዃን ነቲ ጸብጻብ ናይ ተወሳኺ ቃለ-መሕትት ትቆጻጸሮ። እንተድኣ ዝኾነ ነገር ጎዲሉ ወይ ብትኽክል ዘይተጻሕፈ ኣሎ ኮይኑ፣ ጠበቓኻ ብዛዕባ እዚ ንቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ኢሚግረሽንን ዜግነትን [IND] ብደብዳቤ ክሕብር እዩ።

3ይ መዓልቲ፡ ክውሰድ ዝተሓስበ ውሳኔ

ቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ኢሚግረሽንን ዜግነትን [IND]፣ ናይ ዕቚባ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ፣ ነቲኦም ቅድመ-ኩነታት ተማልእ ምዃንካን ዘይምዃንካን ይግምግም። ሰለስተ ተኽእሎታት ኣለዉ፡

  • መንበሪ ፍቓድ ክትቅበል ትኽእል።
  • ቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ኢሚግረሽንን ዜግነትን [IND] መርመራ ንምግባር ተወሳኺ ግዜ ከምዘድልዮ ብደብዳቤ ይሕብረካ። ሽዕኡ እቲ ዘመልከትካዮ ዕቚባ፣ ኣብቲ ዝተናውሐ መስርሕ ዕቚባ ይምስራሕ።
  • ቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ኢሚግረሽንን ዜግነትን [IND]፣ ነቲ ዘመልከትካዮ ዕቚባ ንኽነጽጎ መደብ ከምዘለዎን በያናይ ምኽንያትን ዝገልጽ ደብዳቤ ትቕበል።

4ይ መዓልቲ: ርእይቶ

ብዛዕባ እቲ ክንጸግ ተሓሲቡ ዘሎ ምስ ጠበቓኻ ትዘራረብ። ምስ ጠበቓኻ ብሓባር ንምንታይ ምስቲ ክውሰድ ዝተሓስበ ውሳኔ ዘይተሰማማዕ ምዃንካ ዝገልጹ መጐተታት ዘለዎ ደብዳቤ ከተዋድድ ትኽእል ኢኻ። እዚ ደብዳቤ "ርእይቶ" ተባሂሉ ይጽዋዕ።

5ይን 6ይን መዓልቲ - ውሳኔ

ቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ኢሚግረሽንን ዜግነትን [IND] ብዛዕባ እቲ ዘመልከትካዮ ዕቚባ ውሳኔ ይወስድ። ሕጂ ሰለስተ ተኽእሎታት ኣለዉ፡

  1. ቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ኢሚግረሽንን ዜግነትን [IND] ንዓኻ ከም ስደተኛ ኣፍልጦ ብምሃብ ይቕበለካ። ናይ ሓሙሽተ ዓመት መንበሪ ፍቓድ ድማ ትቅበል። ሰራሕተኛታት ናይ VluchtelingenWerk፣ ኣባላት ስድራኻ ንኸተምጽእ ክሕግዙኻ ይኽእሉ እዮም። ብዛዕባ ምጥርናፍ ስድራቤት ብዝምልከት፣ ኣብ ናይ ኢንተርነት ኣድራሻ https://www.vluchtelingenwerk.nl/forrefugees/gezinshereniging?language=ti ተወሳኺ ኣንብብ።
  2. ቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ኢሚግረሽንን ዜግነትን [IND] ንመርመራ ዝኸውን ተወሳኺ ግዜ የድልዮ። ሽዕኡ እቲ ዘመልከትካዮ ዕቚባ፣ ኣብቲ ዝተናውሐ መስርሕ ዕቚባ ይምስራሕ። ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ድማ ውሳኔ ይስዕብ።
  3. ቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ዜግነትን ኢሚግረሽንን [IND] ንስኻ ናይ ዕቚባ መንበሪ ፍቓድ ንምርካብ፣ ነቲኦም ቅድመ-ኩነታት ከምዘይተማልእ ኣብ ርእይቶኡ ክጸንዕ ይኽእል። እቲ ዘመልከትካዮ ዕቚባ ንምንታይ ከምዝተነጽገን፣ ካብ ኔዘርላንድ ክትወጽእ ከምዘለካን ዝገልጽ ደብዳቤ ካብ IND ትቕበል። ጠበቓኻ ኣንጻር እቲ ናይ IND ውሳኔ ኣብ ቤት-ፍርዲ ይግባይ ክብል ይኽእል እዩ። እንተድኣ እቲ ቤት ፍርዲ እውን ነጺግዎ፣ ካብ ኔዘርላንድ ክትወጽእ ኣለካ። ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ናይ ኢንተርነት ኣድራሻ https://www.vluchtelingenwerk.nl/forrefugees/geen-verblijfsvergunning-wat-nu ኣብቲ "መንበሪ ፍቓድ ኣይተዋህበኒን፣ ሕጂ' ኸ እንታይ?" ዝብል ኣንብብ።

Let op!

ሓደ ሓደ ግዜ እቲ መስርሕ ዕቚባ ኣብ ክንዲ 6 መዓልታት፣ 9 መዓልታት ይወስድ እዩ። እቲ ተወሳኺ ግዜ ነቶም IND ተወሳኺ ግዜ ዘድልዮም ኮይኑ ዝረኸቦም ዝተሓላለኹ ሕቶታት ዕቚባ ዝዓለመ እዩ። ከምኡ እውን ነቶም ብሰንኪ ኣእምሮኣዊ ወይ ኣካላዊ ጸገማት፣ ዝያዳ ቘላሕታ ዘድልዮም ሓተቲ ዕቚባ ዝዓለመ እውን እዩ።

መዕቆቢ

ኣብ እዋን መስርሕ ዕቚባኻ፣ ናይ መዕቆቢን ንመነባብሮ ዝኸውን ገንዘብን መሰል ኣለካ። ኣብ ማእከል መዕቆቢ ስደተኛታት (AZC) ናይ COA ወይ ኣብ Justitieel Complex Schiphol ኢኻ እትጸንሕ።  እንተድኣ ናይ ዕቚባ መንበሪ ፍቓድ ተዋሂቡካ፣ ክሳብ መንበሪ ቤት እትረክብ ኣብቲ መዕቆቢ ማእከል ክትጸንሕ ትኽእል ኢኻ። እንተድኣ ናይ ዕቚባ ሕቶኻ ተነጺጉ፣ እቲ ናይ መዕቆቢ መሰልካ የብቕዕ። ኣብ ምኽንያት ናይቲ መንጸግቲ ዝምርኮስ፣ ኣብ ውሽጢ ገለ መዓልታት ካብቲ መዕቆቢ ክትወጽእ ኣለካ።

ዝስዕብ ምምልካት

እንተድኣ ንኹሎም ሕጋዊ መስርሓት ጠቕላላ ጸንቒቕካ ወዲእካዮም፣ ዕቚባ ንምርካብ ዝስዕብ መመልከቲ ከተእቱው ትኽእል ኢኻ። እዚ ሓደ ሓደ ግዜ HASA፡ ዝተደግመ ምምልካት ዕቚባ ተባሂሉ ይጽዋዕ እዩ።

ሓደስቲ ሓቅታት/ኩነታት

ኣብቲ ዝስዕብ ደጊምካ እተመልክቶ ኣዎንታዊ ውሳኔ ንምርካብ ተኽእሎ ንኽህልወካ፣ ሓደስቲ ሓቅታት ወይ ኩነታት ክህልዉ ኣለዎም። እዚ ኣብ እዋን እቲ ኣቐዲምካ ዝገበርካዮ መስርሕ ዕቚባ ዘየቕረብካዮ ሓዲሽ ሓበሬታ ማለት እዩ። ንኣብነት ንኩነትካ ወይ ንኩነት መበቆል ሃገርካ ዝቐየሩ ፍጻመታት ክትሓስብ ትኽእል ኢኻ። ወይ ንዓኻ ዝጸሉው ምቕይያራት ናይ ፖሊሲ ክትሓስብ ትኽእል።

ግቡእ ቅድመ-ምድላውን ጠበቓን

ዝስዕብ መመልከቲ ግቡእ ቅድመ-ምድላው ክግበረሉ ኣለዎ። ንኣብነት ደገፍቲ ሰነዳት፣ መበቆላዊ ማለት ኦሪጂናልን ተተርጒሞምን ክቐርቡ ኣለዎም። ስለዚ ኩሉ ግዜ ሓገዝ ናይ ጠበቓ ሕተት። እቲ ዝስዕብ መመልከቲ ኣብ ተራኣፐል [Ter Apel] ከተእትዎ ትኽእል ኢኻ። ነቲ ናይ መመልከቲ ቅጥዒ ምስ መላእካዮን፣ ኦሪጂናልን ዝተተርጎሙን ደገፍቲ ሰነዳት ምስሓዝካን ጥራይ ናብ ተርኣፐል ተጓዓዝ።

ኣስተውዕል!
እቲ ኣብ ተርኣፐል ዝርከብ VluchtelingenWerk ጠበቓ ክደልየልካ ኣይክእልን እዩ። እቲ ኣብ ተርኣፐል ዝርከብ VluchtelingenWerk ዝስዕብ መመልከቲ ንኸተእቱው፣ ነቲ ናይ መመልከቲ ቅጥዒ ንምምላእ እውን ክሕግዘካ ኣይክእልን እዩ። ነቲ ቅጥዒ ኣብ መርበብ-ሓበሬታ ናይ IND ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ።

ተወሳኺ ሓበሬታ IND

 

Immigratie- en Naturalisatiedienst (IND) ቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ኢሚግረሽንን ዜግነትን ክፋል ናይ ሚኒስትሪ ፍትሕን ጸጥታን እዩ። ሰራሕተኛታት ቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ኢሚግረሽንን ዜግነትን [IND]፣ ንስኻ ኣብ ኔዘርላንድ ዕቚባ ንኽትረክብ መሰል ዘለካ ምዃኑን ዘይምዃኑን ይምርምሩ። ብድሕሪኡ ንስኻ ኣብ ኔዘርላንድ ክትጸንሕ ዝፍቐደልካ ምዃኑን ዘይምዃኑን ይውስኑ።

COA

 

Centraal Orgaan opvang asielzoekers (COA) [ማእከላይ ኣካል መቐበሊ ሓተትቲ-ዑቚባ (ኮዋ)] ነቶም ኣብ ኔዘርላንድ ዝርከቡ ዕቚባ ዝደልዩ ሰባት፣ ኣብ እዋን መስርሕ ዕቚባ፣ መዕቆቢ ቦታን ምእላይን ከምዝህሉው የረጋግጽ።

Raad voor Rechtsbijstand

 

Raad voor Rechtsbijstand (RvR) [ቦርድ ሕጋዊ ረድኤት] ንስኻ ባዕልኻ ክትከፍሎ ዘይትኽእል እንተድኣ ኮይንካ፣ ናይ ጠበቓ ሓገዝ ከም እትረክብ ይገብር።

Dienst Terugkeer en Vertrek

 

Dienst Terugkeer en Vertrek (DT&V) [ኣገልግሎት ምምላስን ንቕሎን] ክፋል ናይ ኔዘርላንድ ሚኒስትሪ ፍትሕን ጸጥታን እዩ። እንተድኣ እቲ ዘመልከትካዮ ዕቚባ ብቤት-ጽሕፈት ኣገልግሎት ኢሚግረሽንን ዜግነትን [IND] ተነጺጉ፣ ሰራሕተኛ ናይ ኣገልግሎት ምምላስን ንቕሎን (DT&V) ናብ መበቆል ሃገርካ ንኽትምለስ ኣብ ምውዳድ ይሕግዘካ።

Internationale Organisatie voor Migratie Nederland (IOM)

 

ባዕልኻ ንኔዘርላንድ ሓዲግካዮ ክትከይድ ምስ እትደልይ፣ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት ኔዘርላንድ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ቀይሕ መስቀል Rode Kruis

 

ቀይሕ መስቀል ንዝጠፍኡ ሰባት ኣብ ምድላይ ይሕግዝ።

CoMensha (Commisie mensenhandel)

 

CoMensha [ኮሚሽን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት] ኣብ ኔዘርላንድ ንዝርከቡ ናይ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ግዳያት (ክኾኑ ዝኽእሉ) ሰባት ንምሕጋዝ ብተወፋይነት ይሰርሕ።

NIDOS

 

ንስኻ ዕድመኻ ትሕቲ 18 ዓመት ኢኻ፣ ከምኡ እውን ኣብ ኔዘርላንድ ንዓኻ ዝከናኸኑ ወለዲ ወይ ካልኦት ሰባት የብልካን። እንተኾነ ግን ብመሰረት ሕጊ ኔዘርላንድ፣ ንዓኻ ዝከናኸን ሓደ ወግዓዊ ዝኾነ ኣካል ክህሉው ኣለዎ። እዚ ኸኣ ሞግዚትነት ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣብ ኔዘርላንድ እቲ ብዛዕባ እዚ ዝነጥፍ ውድብ ስቲኽቲንግ ኒዶስ (Stichting Nidos) እዩ። 

Time4You

 

ፕሮጀክት Time4You ኣብ ማእከል መዕቆቢ ንዝርከቡ ስደተኛታት ቆልዑት ንምሕያልን ንረብሓኦም ንምጥባቕን ዘተኮረ እዩ።

ሓበሬታዊ-ጽሑፋት፡

ንኹሎም ብዛዕባ መስርሕ ዕቚባ ዝምልከቱ ሓበሬታዊ-ጽሑፋት፣ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ኣብዚ ገጽ ክትረኽቦም ትኽእል ኢኻ።