ኣብ ማሕበር ተሓጋገዝቲ ስደተኛታት ወለንተኛ ኩን

ትፈልጥ ዶ ዳርጋ ኩሉም ተሓጋገዝቲ ናይ ማሕበር ተሓጋገዝቲ ስደተኛታት ወለንተኛታት ምዃኖም? ንስኻ ውን ከይተረፈ ናይ ወለንተኛ ስራሕ ክትሰርሕ ትኽእል ኢኻ። በዚ መንገዲ እዚ ነዘርላንድኻ ተመሓይሽ፡ ምስ ሰባት ትላለ፡ ቁምነገር ከም ዝገበርካ ድማ ይስመዓካ ከምኡውን ናይ ስራሕ ተሞክሮ ተጥሪ። ማሕበር ተሓጋገዝቲ ስደተኛታት ውን ከይተረፈ ቀጻሊ ብፍላይ ናይ ስደተኛ ድሕረ-ባይታ ዘለዎም ወለንተኛታት ይደሊ እዩ።

ምስቱርጟም

ወለንተኛታት ናይ ማሕበር ተሓጋገዝቲ ስድተኛታት ምስ ስደተኛታት ኣብ ዝገብርዎ ዝርርብ ብዙሕ ግዜ ኣስተርጟማይ ይደልዩ እዮም። ነዘርላንድስ ደሓን ስጋብ ጽቡቕ ትዛረብ እንተኾንካ ብዙሕ ግዜ ኣብ ምስቱርጟም ክትሕግዝ ትኽእል ኢኻ። ወለንተኛታት ኣስተርጎምቲ ስልጠና ይወሃቦም እዩ።

ሓበሬታ ዝህቡ

ኩሎም ሆላንዳውያን ኣይኮኑን ብዛዕባ ስደተኛታት ተቐባልነት ዘለዎም። እዚ ዘይተቐባልነት መብዛሕቱ ግዜ ካብ ከይፈልጥካ  ምፍራድ ዝተበገሰ እዩ። ማሕበር ተሓጋገዝቲ ስደተኛታት ኣብ ኣብያተ ትምህርትን ንዓበይትን ሓበሬታ ብምሃብ ውሕስነት ናይ ስደተኛታት ንምርግጋጽ ተቐባልነት ናይ ሆላንዳውያን ንምስፋሕ ይጽዕር። ኣስተምህሮታትን ጋሻ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ዝህቦ ትምህርቲ ዓቢ ኣቕልቦ ይስሕቡ እዮም ብፍላይ ሓደ ስደተኛ ናቱ ወይ ናታ ዛንታ ክገልጽ/ክትገልጽ ኮሎ/ከላ። መብዛሕቶም ስደተኛታት ብዛዕባ ዝሓለፈ ሂወቶም ክዛረቡ ኣይፈትዉን እዮም። እዚ ክገብር ዝኽእል ወይ ድማ ዝደሊ ስደተኛ ግን ነቲ ኣብ ህዝቢ ሆላንድ ብዛዕባ ስደተኛታት ዘሎ ኣረኣእያ ኣብ ምቕያር ዓቢ ተራ ኣለዎ። ነዚ ንምግባር ናይ ግድን ኣድላይ ነገር ግን ንስኻ ጽቡቕ እንግሊዝኛ ወይ ድማ ነዘርላንድስ ክትዛረብ ምኽኣል እዩ።

ኣሰልጠንቲ

ኣብ ገለገለ ቦታታት ንስደተኛታት ስልጠናታትን ሓበሬታን ብቛንቆኦም ይወሃቦም እዩ። ንኣብነት ኣብ መሰርሕ ናይ ተሳትፎ መግለጺ። ነዚ ንምግባር ናይ ግድን ኣድላይ ነገር ግን ንስኻ ነዘርላንድስ ክትሰምዕ ምኽኣል ከምኡውን ኣብ ቅድሚ ሰባት ምቕራብ ባህ ዝብለካ ክኸውን ኣለዎ።

ዛንታኻ ኣብ መራኸቢ-ብዙሓን ንገር

ቀጻሊ ናይ ሆላንድ ጋዘጣታትን ራድዮን ተለቪጅን ኣዳለውቲ ዛንተኦም ክነግሩ ፍቓደኛታት ዝኾኑ ስደተኛታት ስለዝደልዩ ንማሕበር ተሓጋገዝቲ ስደተኛታት ይሓቱ እዮም። ንኣብነት ብዛዕባ ምምሃር ቛንቛ ነዘርላንድስ፡ ጥርናፈ ስድራቤት ወይ ድማ ኣብ ሆላንድ ሓድሽ ሂወት ምህናጽ ከመይ ከምምዃኑ። ኣብ ናይ ከባቢ መራኸቢ-ብዙሓን ብዛዕባ እዚ ክትሳተፍ ትደሊ ዶ? ከምኡ እንተኾነ ንተሓጋጋዚኻ ሓብር። ኣብ ናይ ሃገራዊ መራኸቢ ብዙሓን መደብ ክትሳተፍ እንተደሊኻ፡  ብእንግሊዝኛ ወይ ድማ ብነዘርላንድስ ናብ persvoorlichting@vluchtelingenwerk.nl ኢመይል ጸሓፍ። ካብዞም መራኸቢ-ብዙሓን ምናልባሽ ምሳኻ ዝሰማማዕ ሕቶ ምስዝመጻና ንዓኻ ክንሕብረካ ኢና።

ኣብ ትቕመጠሉ ቦታ ዘሎ ክፉት ናይ ስራሕ ቦታ ናይ ማሕበር ተሓጋገዝቲ ስደተኛታት ንምርኣይ ኣብዚ ጽቐጥ። ወይ ድማ ኣብቲ ትቕመጠሉ ዘለኻ መዕቆቢ ስደተኛታት ወይድማ ትቕመጠሉ ዘለኻ ቦታ ክትሰርሕ ከምዝጥዕመካ ንማሕበር ተሓጋገዝቲ ስደተኛታት ሓብር።